ኢትዮጵያ ነቲ ኣህጉር ዝተርፍን ንተለዋዋጢ ኩነታት ጥዕና ዝተዳለወን ሓይሊ ሰብ እናሃነፀት እያ-ዶክተር መቅደስ ዳባ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 29/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ነቲ ኣህጉር ዝተርፍን ንተለዋዋጢ ኩነታት ጥዕና ዝተዳለወን ሓይሊ ሰብ እናሃነፀት ከም ዝኾነት ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ገሊፀን።
ንሰለስተ መዓልትታት ዝፀንሕን ካብ ልዕሊ 46 ሃገራት ዝመፁ ተሳተፍቲ ዝተረኸብሉን ጉባኤ ትምህርቲ ሕክምና ኣፍሪካ 2026 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።



ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ኣብ ስነ ስርዓት መኽፈተ እቲ ጉባኤ ተረኺበን ከም ዝበልኦ፤ ኣፍሪካ ኩለ መዳያዊ ኣገልግሎት ጥዕና ንምርግጋፅን ጠንካራ ስርዓት ጥዕና ንምህናፅን ብኣግባቡ ዝሰልጠነ፣ብቑዕን ንቀፃሊ ድሉው ዝኾነን በዓል ሞያ የድልያ።
ኢትዮጵያ እውን ፍትሓዊ፣ ጠንካራን ሰብ ተኮርን ዝኾነ ስርዓት ጥዕና ንምህናፅ እናሰርሐት እያ ትርከብ ኢለን።
እዚ ስርዓት ንናይ ሎሚ ድሌታት ምላሽ ካብ ምሃብ ብተወሳኺ ንናይ ፅባሕ ፈተና እውን ዝተዳለወ ከም ዝኸውን ሓቢረን።
ስግግር ዓውዲ ጥዕና እታ ሃገር ቀዳማይ ብርኪ ሓለዋ ጥዕና ኣብ ምጥንኻር፣ስግግር ዲጂታል ኣብ ምቅልጣፍ፣ ምፍራይ መድሓኒትን መሳርሕታት ሕክምናን ውሽጢ ሃገር ኣብ ምዕባይ ከምኡ እውን ብቑዕን ንቀፃሊ ድሉው ዝኾነን በዓል ሞያ ጥዕና ኣብ ምፍራይ መሰረት ዝገበረ እዩ ኢለን።
ብተወሳኺ እውን ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 63 ሚልዮን ህዝቢ ተጠቃሚ ዝኾነሉ ዘሎ ብብርኪ ማሕበረሰብ ስርዓት መድሕን ጥዕና ብምስፍሕፋሕ፣ማሕበራዊ መድሕን ጥዕና ብምዕባይን ሃፍቲ ውሽጢ ሃገር ብምእካብን ዘላቒ ዓውዲ ጥዕና ንምጥንኻር ዝግበር ስራሕ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ኣረጋጊፀን።
ዓወት ዓውድታት ትኹረት ጥዕና ዝውሰን ብዘሎ ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ንልምዓት ሰብ ሞያ ቀዳምነት ከም ዝሃበት ብምግላፅ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን እታ ሃገር በቢዓመቱ ልዕሊ 21 ሽሕ ሰብ ሞያ ጥዕና እናምረቐት ከም ዝኾነት ገሊፀን።
እዚ ዓቕሚ ካብ ሃገር ሓሊፉ ንኣፍሪካ ዝተርፍ ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ ቀረባ እዋን ካብታ ኣህጉር ዝመፁ ልዕሊ 600 ተምሃሮ ሕክምና ብስፔሻሊቲን ሰብ-ስፔሻሊቲን ሕክምና ከም ዝሰልጠኑ ተዛሪበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም