ኢትዮጵያ ብሰብ ስራሕ ብልሕን ዲጂታል ስርዓት ጥዕናን መራሒት እቲ ኣህጉር ክትኸውን ንዓርሳ ኣብ ምድላው ትርከብ -ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ብሰብ ስራሕ ብልሕን ዲጂታል ስርዓት ጥዕናን መራሒት እቲ ኣህጉር ክትኸውን ንዓርሳ ኣብ ምድላው ትርከብ -ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/ 29/2018ኢትዮጵያ ብሰብ ስራሕ ብልሕን ዲጂታል ስርዓት ጥዕናን መራሒት እቲ ኣህጉር ክትኸውን ንዓርሳ ኣብ ምድላው ከም ትርከብ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
ንሰለስተ መዓልቲ ዝፀንሕን ካብ 46 ሃገራት ዝመፁ ተሳተፍቲ ዝተዓደምሉን ጉባኤ ትምህርቲ ሕክምና ኣፍሪካ (MedEDAfrica 2026) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ስነ ስርዓት መኽፈተ እቲ ጉባኤ ተረኺቦም ከም ዝበልዎ፤ ኣብ ዙርያ ትምህርቲ፣ ስግግር ቴክኖሎጂ ፣ምሕዝነትን ምርምርን እነመሓላልፎም ውሳነታት ንጥዕናን ድሕንነትን ህዝቢ ኣፍሪካ ዝውስኑ እዮም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ምስፍሕፋሕ ትምህርቲ ሰብ ሞያ፣ሓደሽቲ ትካላት ትምህርቲ ጥዕና ምህናፅ፣ ነባር ትካላት ምጥንኻር ከምኡ እውን መናእሰይ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሞያ ዓውዲ ጥዕና ንክዋፈሩ ሰፋሕቲ ዕድላት ምፍጣር ከም ዝተኽኣለ ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ እውን ኢትዮጵያ ሰብ ሞያ ጥዕና ሃገራት ኣፍሪካ ብምምሃር ዞባዊ ማእኸል ስልጠና ክትኸውን ከም ዝኸኣለት ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብሰብ ስራሕ ብልሕን ዲጂታል ፈጠራን መራሒት እቲ ኣህጉር ንምዃን ዓርሳ እናዳለወት ከም ዝኾነት ኣረዲኦም።
ስለዝኾነ ድማ ኣብ ኢንፎርማቲክስ ጥዕና፣ዲጂታል ጥዕና፣ዝተሓላለኸን ዝረቐቐን ሕክምና፣ሮቦቲክስን ብሰብ ስራሕ ብልሕ ዝተደገ ምርመራ ሕማምን ትኹረት ዝገበረ ፈላማይ ዩኒቨርሲቲ ሰብ ስራሕ ብልሒ(ኤኣይ) ንምምራቕ ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ከም ዝተበፅሐ ዕላዊ ገይሮም።
ኣፍሪካ ኣብዚ ስግግር ዘበን ተዓዛቢት ጥራሕ ዘይኮነስ ወናኒት ናይ ባዕላ ፈጠራ፣ኣፍራይትን መራሒትን ክትኸውን ከም ዘለዋ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።