መንግስቲ መደመር ሃፍትታት ሓድጊ ኢትዮጵያ ብዘላቕነት ብምሕላውን ብምልማዕን ናብ ወለዶ ዝሳገር ዝነኣድ ስራሕ ሰሪሑ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
መንግስቲ መደመር ሃፍትታት ሓድጊ ኢትዮጵያ ብዘላቕነት ብምሕላውን ብምልማዕን ናብ ወለዶ ዝሳገር ዝነኣድ ስራሕ ሰሪሑ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 29/2018(ኢዜኣ) መንግስቲ መደመር ሃፍትታት ታሪኽ፣ተፈጥሮን ባህላዊ ሓድግን ኢትዮጵያ ብዘላቕነት ብምሕላውን ብምልማዕን ናብ ወለዶ ዝሳገር ዝነኣድ ስራሕ ከም ዝሰርሐ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓድጊ ኢትዮጵያ ረዳት ፕሮፌሰር ኣበባው ኣያሌው ገሊፆም።
ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ተቐማጥነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሩ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራትን መራሕቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ኣብ ውቅር ኣብያተ ክርስትያናት ላሊበላ ዑደት ገይሮም።
ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓድጊ ኢትዮጵያ ረዳት ፕሮፌሰር ኣበባው ኣያሌው ንኢዜኣ ከም ዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ወናኒት ዝነኣዱ ሃይማኖታዊ፣ታሪኻዊ፣ተፈጥሮኣውን ባህላውን ሓድግታት እያ።
ኣሰራርሓ ኪነ ህንፃ ኣብ ትካል ትምህርቲ፣ሳይንስን ባህልን ውሕመ(ዩኔስኮ) ዝተመዝገበ ውቅር ኣብያተ ክርስትያናት ላሊበላ ንዓለም ዘደመመ ውፅኢት ጥበብ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
ሓድጊ ላሊበላ እውን ንሃይማኖታዊ ስርዓትን ዓለም ለኸ ጎብነይትን ምችው ንምግባር ምስ መንግስቲ ፈረንሳይ ብምትሕብባር ስራሕ መሰረተ ልምዓት ሓለዋ ዘላቒ ሓድጊ እናተሳለጠ እዩ ኢሎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ታሪኻዊ፣ተፈጥሮኣውን ባህላውን ሃፍትታት ኢትዮጵያ ንምሕላው፣ ንምክንኻንን ንምልማዕን ዝሃብዎ ትኹረት ንውፅኢታውነት ሓለዋ ሓድጊ ከም ዘዕበዮ እውን ኣረዲኦም።