ኢትዮጵያ ስትራቴጂካዊ ፕሮግራማት ሓለዋ ከባቢ ተግባራዊ ብምግባር ጭቡጥ ውፅኢት እናምዝገበት እያ ትርከብ-ሚኒስትር ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 27 /2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ፈተናታት ከባብን ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ብምፅዋር ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋፅ ስትራቴጂካዊ ፖሊሲታትን ፕሮግራማትን ብውፅኢታውነት ተግባራዊ ብምግባር ውፅኢት እናረኸበት ከም ዝኾነት ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር) ገሊፀን።
ንመፃኢ ወለዶ ፅርይትን፣ጥዕና ዘለዋን ሓምለወይትን ሃገር ንምርካብ ዝተጀመረ 3ይ ዙር ሃገራዊ ጎስጓስ “ፅርይቲ ኢትዮጵያ ንወለዶ” ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ዝተረኸብሉ ሎሚ ብዕሊ ተጀሚሩ።



ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ 3ይ ዙር ጎስጓስ ፅርይቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዙራት ዝተረኸቡ ውፅኢታት ብምስፋሕ ንዘላቒ ልምዓትን ሓለዋ ከባብን እታ ሃገር ወሳኒ ዓቕሚ ዝፈጥር እዩ።
እቲ ጎስጓስ ንዜጋታት ጥዕና ዘለዎን ፅሩይን ከባቢ ንምፍጣርን ንመፃኢ ወለዶ ፅርይቲ ኢትዮጵያ ንምውራስን መረጋገፂ ሓባራዊ ቆራፅነት እዩ ኢለን።
ምስፍሕፋሕ ከተማታት፣ምውሳኺ ጎሓፍ ፕላስቲክ፣ሕፅረት ግቡእ ኣተሓሕዛ ሓደገኛ ኬሚካላትን ጎሓፋትን፣ብኽለት ድምፅን ከባብያዊ ፀገማትን ንጥዕና ዜጋታት፣ድሕንነት ከባብን ጉዕዞ ዘላቒ ልምዓትን እናተፈታተንዎ እዮም ዝርከቡ ክብላ እውን ተዛሪበን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ፈተናታት ከባብን ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ብምፅዋር ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋፅ ዝተፈላለዩ ስትራቴጂካዊ ፖሊሲታትን ፕሮግራማትን ተግባራዊ እናገበረ ከም ዝርከብ ኣረዲአን።
ብመሪሕነት በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ተግባራዊ ዝግበር ዘሎ ጎስጓስ ፅርይቲ ኢትዮጵያ ፅሩይን ጥዕና ዘለዎን ከባቢ ንምፍጣር ካብ ዝሳለጡ ዘለዉ ዓበይቲ ስራሕቲ እቲ ሓደ ከም ዝኾነ ሓቢረን።
ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኢንጂነር ለሊሴ ነሜ(ዶ/ር) ብግደአን፤ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዙራት ዝተሳለጡ ጎስጓሳት ፅርይቲ ኢትዮጵያ ንሓለዋ ከባቢ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ዝተሰለጠሎም እዮም ኢለን።



ኣብቲ ቀዳማይ ዙር ልዕሊ 15 ሚልዮን ኣብቲ ካልኣይ ዙር ድማ ልዕሊ 54 ሚልዮን ህዝቢ ብዝተፈላለዩ ሜላታት መራኸብቲ ሓፋሽ ተበፃሒ ብምግባር ብበዓል ዋንነት ንክሳተፍ ከመ ዝተገበረ ኣረዲአን።
እቲ 3ይ ዙር ጎስጓስ ኣብ ብኽለት ፕላስቲክ፣ምክልኻል ሓደገኛ ኬሚካላትን ጎሓፋትን ከምኡ እውን ኣብ ምክልኻል ብኽለት ድምፂ ትኹረት ዝገበረ ከም ዝኾነ እውን ገሊፀን።
ጎስጓስ ፅርይቲ ኢትዮጵያ ንሓለዋ ከባቢ መሰረት እናንበረ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፣ ንዕዉትነቱ ድማ ጠንካራ ተሳትፎ ህዝብን ሓባራዊ ቆራፅነትን ከም ዝሓትት ተዛሪበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም