ምክልኻል ከባብያዊ ብኽለት ምስ ቀፃሊ ዕድል እታ ሃገር ዝተኣሳሰረ ጉዳይ ብሄራዊ ልምዓትን ድሕንነትን እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 27/2018 (ኢዜኣ) ምክልኻል ከባብያዊ ብኽለትን ስራሕ ሓለዋ ከባብን ምስ መፍረያይነት ኢኮኖምን ቀፃሊ ዕድል እታ ሃገርን ዝተኣሳሰሩ ጉዳይ ብሄራዊ ልምዓትን ድሕንነትን ከም ዝኾኑ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ 3ይ ዙር ሃገራዊ ጎስጓስ “ፅርይቲ ኢትዮጵያ ንወለዶ”ብዕሊ ኣጀሚሮም።



ኣብዚ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ መላእ እታ ሃገር ብመንግሥቲ መደመር ተግባራዊ ዝግበር ዘሎ ልምዓት ኮሪደርን ወሰና ወሰን ሩባን ከተማታት ፅሩያት፣ሓምለዎት፣ሰሓብቲ ከምኡ እውን ንነበርቲ ምቹዋት ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ መስሕብ ቱሪዝምነቶም እናዕበዮ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
3ይ ዙር ጎስጓስ ፅርይቲ ኢትዮጵያ እውን ምስዞም ሃገራዊ መርሃ ግበርታት ብዝተዋደደ መልክዑ ተግባራዊ ከም ዝግበር ተዛሪቦም።
ብኽለት ፕላስቲክ፣ኣተሓሕዛ ሓደገኛ ጎሓፍን ብኽለት ድምጽን ንጉዳያት ሓለዋ ከባቢ ጥራሕ ዘይኮኑስ ምስ ጥዕና ህዝቢ፣መፍረያይነት ኢኮኖሚ፣ኢንቨስትመንትን ቀፃሊ ዕድል እታ ሃገርን ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ብሄራዊ ልምዓትን ድሕንነትን ከም ዝኾኑ ኣረዲኦም።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዙራት ዝተሳለጡ ጎስጓሳት ፅርይቲ ኢትዮጵያ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ዜጋታት ዝተሳተፉሎምን ዓበይቲ ዓወታት ዝተመዝገብሎምን ከም ዝነበሩ እውን ኣዘኻኺሮም።
3ይ ዙር ጎስጓስ እውን ዝሓለፉ ጠንካራ ጎንታት ብምጥንኻር ከምኡ እውን ክፍተታት ክትትል፣ስርዓት ፀብፃብን ትካላዊ ምውዳድን ብዕምቆት ብምግምጋም ከም ዝተዳለወ ኣፍሊጦም።
ዕዉትነት እቲ ጎስጓስ ንምርግጋፅ እውን ኩሎም መንግስትታት ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ከከም ከባብያዊ ኩነታቶም ግልፂ ትልሚ ትግበራ ብምድላው፣በጀት ብምምዳብን ጠንካራ ስርዓት ክትትልን ፀብፃብን ብምዝርጋሕን ክሰርሑ ከም ዘለዎም ኣተሓሳሲቦም።
ዓውዲ ውልቀ፣ሲቪል ማሕበራት፣ትካላት ሃይማኖት፣ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን እውን ብሓድነት ንክቀሳቐሱ ሓቲቶም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም