ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ሞያ ብቑዕ ሰራዊት ናይ ምህናፅ ልኡኽትኡ ብብቕዓት እናተዋፅአ እዩ-ሚኒስትር ኢንጅነር ኣይሻ መሐመድ - ኢዜአ ትግርኛ
ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ሞያ ብቑዕ ሰራዊት ናይ ምህናፅ ልኡኽትኡ ብብቕዓት እናተዋፅአ እዩ-ሚኒስትር ኢንጅነር ኣይሻ መሐመድ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 27/2018 (ኢዜኣ) ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ንስትራቴጂካዊ ልኡኽቶታት ብቑዕ ዝኾነ ሰራዊት ናይ ምፍራይ ልኡኽትኡ ብብቕዓት እናተዋፅአ ከም ዝኾነ ሚኒስትር ምክልኻል ኢንጅነር ኣይሻ መሐመድ ገሊፀን።
ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ዓውድታት ሞያ ብቀዳማይን ካልኣይን ዲግሪ ትምህርቶም ዝዛዘሙ መበል 26 ዙር ሕፁያት ተመረቕቲ ተምሃሮ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።
ሚኒስትር ምክልኻል ኢንጅነር ኣይሻ መሐመድ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ኢትዮጵያ ፕሮፌሽናል ሰራዊት ካብ ዝህነፀሎም ማእኸላት እቲ ሓደ እዩ።
ስትራቴጂካዊ ሰብ ሞያ ኣብ ምፍራይ እውን ግንባር ቀደም ትካል ከም ዝኾነ ሓቢረን።
እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝተውሃቦ ሃገራዊ ልኡኽቶ ብብቕዓት እናተዋፅአ ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ ተመረቕቲ እዚ ዓመት እውን ናይዚ መርኣያ እዮም ኢለን።
ተመረቕቲ ዝቐሰምዎ ፍልጠት ናብ ተግባር ብምቕያር ኣብ ቀፃሊ ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ርብርብ እጃሞም ክዋፅኡ ከም ዘለዎም እውን ተዛሪበን።
ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ኢትዮጵያ ብርጋዴር ጀነራል ከበደ ረጋሳ ብግደኦም፤ እቲ ዩኒቨርሲቲ ዓቕሚ እቲ ሰራዊት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ልዕሊ 77 ስሩዕ ፕሮግራማት ትምህርቲ ሓንፂፁ ብቑዓት ሰብ ሞያ እናፍረየ ከም ዝርከብ ኣረዲኦም።
እቲ ዩኒቨርሲ ኣብ ዘየቋርፅ መንገዲ ለውጥን ዕቤትን ከም ዝርከብ ብምግላፅ፤ ተመረቕቲ ዝረኸብዎ ፍልጠትን ሞያዊ ስነ ምግባርን ኣብ ተግባር ንከውዕልዎ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።