ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንከንቱ ሕልሚ ውሽጣዊ ባንዳታትን ታሪኻዊ ግዳማዊ ፀላእትን ብምምካን ሉኣላዊነት ሃገር እናሓለወ እዩ ዝርከብ-ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ - ኢዜአ ትግርኛ
ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንከንቱ ሕልሚ ውሽጣዊ ባንዳታትን ታሪኻዊ ግዳማዊ ፀላእትን ብምምካን ሉኣላዊነት ሃገር እናሓለወ እዩ ዝርከብ-ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 27/2018 (ኢዜኣ) ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ከንቱ ሕልሚ ውሽጣዊ ባንዳታትን ታሪኻዊ ግደማዊ ፀላእትን ብምምካን ሉኣላዊነት ሃገር እናሓለወ ከም ዝርከብ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም።
ብሄራዊ ኮሌጅ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ምክልኻልን ስትራቴጂክ መፅናዕቲ ድሕንነትን ዘሰልጠኖም ተመረቕቲ ኣመሪቑ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፣ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃእን ሰላምን ቤት ምክሪ ወከልቲ ህዝቢ ዲማ ኖጎ (ዶ/ር)፣ኣዛዚ እቲ ኮሌጅ ብርጋዴር ጀነራል ጥላሁን ደምሴን ላዕለዎት ጄኔራል መኮንናት ተረኺቦም።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ሕልኽላኽን ዘይተገማትነትን እዋናዊ ዓለም ለኻውን ዞባውን ኩነታት ድሕንነት ኣብ ግምት ዘእተወ ስራሕ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ።
ሕቶ ዋንነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያን ዞባዊ መትከል ምትሕብባርን ንምትዕንቓፍ ታሪኻዊ ፀላእትን ውሽጣዊ ባንዳታትን ሽርሒ ጥምረት ወይ ድማ “ፅምዶ” ፈጢሮም እናሰርሑ ከም ዝኾኑ ኣረዲኦም።
ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ እውን ከንቱ ሕልሚ ውሽጣዊ ባንዳታትን ታሪኻዊ ፀላእትን ብምምካን ሉኣላዊ ሰላምን ድሕንነትን ሃገር እናሓለወ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
ኩነታት ድሕንነት ንዘበናት ብስእነት ሰላም ዝግለፅ ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪካን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ እናተሓላለኸ ከም ዝመፀ ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ትርከብ፣ካብ ዝኾነ ፀገም እቲ ዞባን ተረባሕነትን ክተምልጥ ዘይትኽእል ሃገር ከም ዝኾነት እውን ተዛሪቦም።
ታሪኻዊ ፀላእቲ እውን ኢትዮጵያ እጃም ምርግጋዕ እቲ ዞባ ከይትዋፃእን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ጥራሕ ንክትፅመድን ፃዕሪ እናገበሩ ከም ዝርከቡ ኣብራህሪሆም።
ብተወሳኺ እውን ጎረቤታት ንክሕመሱ ብምግባር ንውሽጣዊ ድሕንነትና ፅልዋ ምፍጣር ዝኽእሉ ሽርሕታት ብምፍሓስ እቲ ዞባ ንምርባሽ ጠንኪሮም እናሰርሑ ከም ዝርከቡ ገሊፆም።
ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ካብ ወሰን ባሕሪ ንምውፃእ ዝተጠቐምሉ ሽርሒ ነዊሕ ዘበናት እውን ሎሚ “ፅምዶ” ብዝብል ስያመ ተሓዲሱ እናተጋውሐ ከም ዝርከብ ሓቢሮም።
ኲናት እዚ ዘበን ብሰብ ስራሕ ብልሒ፣ሚሳኤላት ነዊሕ ርሕቐት፣ሰብ ኣልቦ መሳርሕታትን ኦፕሬሽናት ሳይበርን ዝተደገፈ ኲናት ቴክኖሎጂ እዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ ድማ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣወዳድብኡን ዘበናዊ ዕጥቁን ብምጥንኻር ብዝኾነ ዓይነት ኣብ ዘተኣማምን ብርኪ ድሉውነት ከም ዝርከብ ኣፍሊጦም።
ተመረቕቲ ብሄራዊ ኮሌጅ ምክልኻል እውን ዝቐሰምዎ ስትራቴጂክ ፍልጠት ንተወሳኺ ህንፀት እቲ ሰራዊት ክጠቀሙሉ ይግባእ ኢሎም።