መራኸብቲ ሓፋሽ በይነ መረብ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያን ሓድነት ህዝብታትን ንምጥንኻር ክሰርሑ ይግባእ - ኢዜአ ትግርኛ
መራኸብቲ ሓፋሽ በይነ መረብ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያን ሓድነት ህዝብታትን ንምጥንኻር ክሰርሑ ይግባእ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 27/2018 (ኢዜኣ) መራኸብቲ ሓፋሽ በይነ መረብ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምኽባርን ሓድነት ህዝብታት ንምጥንኻርን ጠንኪሮም ክሰርሑ ከምዝግባእ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ገሊፁ።
“ብቕዓት ዘለዎ መራኸቢ ሓፋሽ በይነ መረብ ንብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘተ መዳርግቲ ኣካላትን ንሰብ ሞያ ምፅራይ ሓቂ መድረኽ ስልጠናን ይካየድ ኣሎ።
ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ሃይማኖት ዘለቀ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ ብብርኪ ሃገር 73 መራኸብቲ ሓፋሽ በይነ መረብ ካብቲ በዓል መዚ ፍቓድ ወሲዶም እናሰርሑ እዮም ዝርከቡ።
መብዛሕቲኦም መራኸብቲ ሓፋሽ በይነ መረብ ሰላም፣ዲሞክራስን ረብሓ ሃገርን ኣብ ግምት ኣእትዮም እናሰርሑ ከም ዝርከቡ ብምግላፅ፤ ዝተወሰኑ ድማ ሓሶት ሓበሬታን ዘረባ ፅልኣትን ብምንዛሕ ካብ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ብተፃራሪ ዝሰርሑ ከም ዘለዉ ተዛሪበን።
ኣብ ጉዳይ በሪ ባሕርን ህንፀት ምስልን መራኸብቲ ሓፋሽ ዝጀመርዎ ውፅኢታዊ ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከም ዝግባእ እውን ኣረዲአን።
መራኸብቲ ሓፋሽ ካብ ሓሶት ሓበሬታን ዘረባ ፅልኣትን ምንዛሕ ተቖጢቦም ሓድነትን ምትእስሳርን ህዝቢ ኣብ ምጥንኻር ክሰርሑ ኣለዎም ኢለን።
በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ መራኸብቲ ሓፋሽ በይነ መረብ ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ ዘለዎም ሃናፂ እጃም ንክጠናኸር ኣድላይ ደገፍ ከም ዝገብር እውን ኣረጋጊፀን።