ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ዓውድታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም ተምሃሮ የመርቕ ኣሎ - ኢዜአ ትግርኛ
ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ዓውድታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም ተምሃሮ የመርቕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 27/2018 (ኢዜኣ) ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ዓውድታት ትምህርቲ ብቀዳማይ ካልኣይን ዲግሪ መርሃ ግብሪ ትምህርቲ ዘሰልጠኖም ተምሃሮ የመርቕ ኣሎ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ፤ ሚኒስትር ምክልኻል ኢንጅነር ኣይሻ መሐመድ፣ኣዛዚ እዚ ሜካናይዝድ ሌተናል ጄኔራል ከፍያለው ኣምዴ፣ኣብ ሚኒስቴር ምክልኻል ዋና ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ርክብ ወፃእን ወታደራዊ ምትሕብባርን ከምኡ እውን ኣካቦ ቦርድ እቲ ዩኒቨርሲቲ ሜጀር ጄኔራል ተሾመ ገመቹ ተረኺቦም።
ብተወሳኺ እውን ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ኢትዮጵያ ብርጋዴር ጄኔራል ከበደ ረጋሳ፣ላዕለዎት መኮንናት ሰራዊት እቲ ሰራዊት፣ወታደራዊ ኣታሼታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ዕዱማት ኣጋይሽን ቤተሰብ ተመረቕትን ተረኺቦም።