"ኢትዮጵያ ትዝቲ ኣላ" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ናይ ጎደና ጉያ ክካይድ እዩ -ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/27/ 2018 /ኢዜኣ/ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ "ኢትዮጵያ ትዝቲ ኣላ" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ጉያ ጎደና 5 ኪሎ ሜትር ክካይድ እዩ።

ኣብቲ ሓምለ 5 ሓምለ 2018 ዓ.ም ዝካየድ ውድድር ልዕሊ 20 ሽሕ ዜጋታት ከምዝሳተፉ ትፅቢት ይግበር።

እቲ ኮሚሽን ንተሳተፍቲ ኣብ ቀፃሊ ብዝተፈላለዩ ኣማራፂታት ፃውዒት ከምዝግበርን፤ ኣብቲ ጉያ ንምስታፍ ድልየት ዘለዎም ዜጋታት ተዳልዮም ክፀንሑን ኣተሓሳሲቡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም