ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ኣብ ልዕሊ 52 ሽሕ ካሬ ሜትር ዝዓረፈ ሪዞርትን ስፓን ኩሪፍቱ ጎብንዮም

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ 26/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ኣብ ልዕሊ 52 ሽሕ ካሬ ሜትር ዝዓረፈ ሪዞርትን ስፓን ኩሪፍቱ ከም ዝጎብነዩ ኣፍሊጦም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ‘ኣርባ ምንጭ ፍልፍል ልምዓታ እናደመቐ ቀፂሉ ኣሎ’ ብዝብል ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ኣብ ልዕሊ 52 ሽሕ ካሬ ሜትር ዝዓረፈ ሪዞርትን ስፓን ኩሪፍቱ ጎብኒና ሎሚ መዓልቲ ኢሎም።



እዚ ዓብይ ፕሮጀክት 53 ዘበናዊ ቪላታት ዝሓዘ ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ ንልዕሊ 300 ዜጋታት ቀዋሚ ዕድል ስራሕ ከም ዝፈጥር ሓቢሮም።
‎ተዛመድቲ ኢንቨስትመንትታት መንግስቲ መደመር ዝሃነፆም መሰረተ ልምዓታት ስዒቡ ዓውዲ ውልቀ ከበርክቶ ዝግባእ ልዑል ኣስተዋፅኦ ብግልፂ ዘርኢ እዩ ኢሎም።



ዓቕሚ ቱሪዝም ሃገርና ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ኣብ ዘሰጋግሩ ተዛመድቲ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ‎ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን ኣብ ኢትዮጵያ ብሰፊሑ ንክዋፈሩን መዋእለ ንዋዮም ንከፍስሱን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም