ዕዉትነት እቲ ሃገራዊ ምኽክር ጉዕዞ ተስፋ ኢትዮጵያ ዝውስን ፍሉይ ምዕራፍ ታሪኽ እዩ-ሙሁራን

ኣዲስ ኣበባ ፤ሰነ 26/2018 (ኢዜኣ) ዕዉትነት እቲ ሃገራዊ ምኽክር ጉዕዞ ተስፋ ኢትዮጵያ ዝውስን ፍሉይ ምዕራፍ ታሪኽ እዩ ክብሉ ፍሉጣት ሙሁራን ገሊፆም።
ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ 17 ሰነ 2018 ናብቲ ዋና ጉባኤ ምኽክር ዝቐርቡ 8 ዋና ዋና ኣጀንዳታት ዕላዊ ምግባሩ ዝፍለጥ እዩ።
ኣብ ዙርያ እዞም 8 ዋና ዋና ኣጀንዳታት ድማ ካብ 8 ሓምለ 2018 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ኣብ ዝጅምር እቲ ዋና ጉባኤ ምኽክር ክዝተየሎም እዩ።
ኤምሬተስ ታሪኽ ፕሮፌሰር ባህሩ ዘውዴ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከም ዝበልዎ፤ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ሱር ዝሰደዱ ጸገማት ዝፍትሑሉ ኣማራፂ ዘይብሉ ከይዲ እዩ።
ኢትዮጵያውያን ካብ ዘረሓሕቕዎም ጉዳያት ዘቀራርብዎም ከም ዝበለፁ እውን ሓቢሮም።
እዚ ድማ እቲ ምኽክር ፀገማት ብዝሰኸነ መንገዲ ንምፍታሕ ዘኽእል ፍሉይ ኣጋጣሚ ታሪኽ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣማኻሪ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር ኣድማሱ ገበየሁ ብግደኦም፤ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ብምዝታይን ብምዝርራብን ሓባራዊ ግንዛበ ዝፍተረሉ ዓብይ መድረኽ እዩ ኢሎም።
እዚ ከይዲ ንኢትዮጵያ ብዝተማልአ ኩነታት ተረባሒት ከም ዝገብራን እቶም ዘተታት እውን ናብ ሃገራዊ ምርድዳእ ዝወስዱ ከም ዝኾኑን ኣረዲኦም።
እቲ ኮሚሽን ምኽክር ክሳብ ሕዚ ዝተጎዓዘሉ ከይዲ ዝነኣድ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ብፍላይ ድማ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ምርግጋፅ ዝተመዝገበ ዓወት ኣብ ተሞኩሮ ካልኦት ሃገራት ተራእዩ ዘይፈልጥ ከም ዝኮነ ተዛሪቦም።
ተመራማሪ ፖለቲካል ሳይንስን ጠበቓ ሕግን ፕሮፌሰር ኣለማየሁ ገብረማርያም ከምዝበልዎ፤ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ባህሊ ፖለቲካ ኢትዮጵያ እናተቐየረ ከም ዝመፀ መርኣያ እዩ።
እቲ ምኽክር ኢትዮጵያውያን ንዘበናት ንከይረዳድኡ ዝገበርዎም መሰረታዊ ፀገማት ባዕሎም መፍትሒ ንክናድይሎም በሪ ዝኸፍት እዩ ኢሎም።
ንዕዉትነት እቲ ምኽክር መናእሰይን ሙሁራንን ከምኡ እውን ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብ ብበዓል ዋናነትን ብሓላፍነትን እጃሞም ክዋፅኡ ከም ዝግባእ ኣገንዚቦም።

https://www.facebook.com/ethiopianewsagencytigrigna

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም