ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ከይዲ ህንፀት ፕሮጀክት መንገዲ ቻኖ-ጨንቻ ተዓዚቦም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ከይዲ ህንፀት ፕሮጀክት መንገዲ ቻኖ-ጨንቻ ተዓዚቦም
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ 26/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ፕሮጀክት መንገዲ ቻኖ-ጨንቻ ዝበፅሖ ብርክን ከይዲ ህንፀትን ከምዝተዓዘቡ ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ፕሮጀክት መንገዲ ቻኖ-ጨንቻ ዝበፅሖ ብርክን ከይዲ ህንፀቱን ሎሚ ተዓዚብና ኢሎም።
22 ኪሎ ሜትር መንገዲ ቻኖ-ጨንቻን 7 ኪሎ ሜትር ጨንፈር መንገዲ ኤዞ-ጊርጫን ዝሓዘ እቲ 29 ኪሎ ሜትር ፕሮጀክት መንገዲ ኣብ ፅቡቕ ኣፈፃፅማ ከም ዝርከብ ብምግላፅ፤ ስራሕ እቲ 13 ነጥቢ 3 ኪሎ ሜትር ከም ዝተዛዘመ ኣፍሊጦም።
ስራሕ እቲ መንገዲ ሙሉእ ብሙሉእ እንትዛዘም ምትእስሳር እቲ ማሕበረሰብ ብዝበለፀ ከም ዘጠናኽርን ንግድን ጉዕዞን ከም ዘቀላጥፍን ከምኡ እውን ልምዓት ኢኮኖሚ እቲ ከባቢ ከም ዘቀላጥፍ ሓቢሮም።
ኣብ ዑደትና ካብ 1997 ዓ/ም ጀሚሩ ብጠንካራ መሪሕነት እቲ ማሕበረሰብ ዝተሓደሰ መባፅሒ ቱሪዝም ሎጅ ዶርዜ እውን ተዓዚብና ኢሎም።
ኣብ ልዕሊ 40 ሽሕ ካሬ ሜትር፣ዝሑልን ሰንሰለታውን ጎቦ ዝዓረፈ እዚ ስፍራ ቱሪዝም ሃይቅታት ኣባያን ጫሞን ከምኡ እውን “የእግዜር ድልድይ” ተባሂሉ ዝፅዋዕ ዝነኣድ ተፈጥሮኣዊ ምስሊ ኣብ ሓደ ብግልፂ ዘርኢ ሰሓቢ ምስሊ ከም ዝህብ ኣረዲኦም።
ኣብ ከም ዶርዜ ዝበሉ ተዛመድቲ መባፅሕታት ቱሪስት ዝሳለጥ ምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓት መንገዲ እቲ ስፍራ ዘለዎ ኣዝዩ ልዑል ኢኮኖሚያውን ባህላውን ዓቕሚ ሙሉእ ብሙሉእ ኣውፂእኻ ንምጥቃም ኣዝዩ ከም ዝሕግዝ እውን ገሊፆም።
ስለዝኾነ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ኣባላት ዲያስፖራን ከምኡ እውን ካብ መላእ ዓለም ዝመፁ ጎብነይቲ እዚ ዝነኣድ ፅባቀ ተፈጥሮን ዝማዕበለ ሃፍቲ ባህልን ንክዕዘቡን ተኻፈልቲ እቲ ታሪኽ ንክኾኑን ፃውዒት ኣቕሪቦም።