ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ህንፀት ዘበናዊ መንደር መንበሪ ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣጀሚረን

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 26/2018 (ኢዜኣ) ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ህንፀት ዘበናዊ መንደር መንበሪ ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ኣጀሚረን።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ ኣብ ምምሕዳር ከተማና ኣብ ትካል ፖሊስ ንሰርሖም ኣብ ዘለና ስራሕቲ ሪፎርምን እቲ ሰራዊት ብህዝቢ ዝተውሃቦ ሓደራ ብኣግባቡ ንክዋፃእ ናይ ምግባር ስራሕንመንደር እቲ ሰራዊት ክንሃንፅ ኣለናኢልና ዝኣተናዮ ቃል ሎሚ ናብ ተግባር ኣሸጋጊርናዮ ኢለን።


 

እናዓበየትን እናማዕበለትን ዝመፀት ማእኸል ዲፕሎማሲ ኣፍሪካን ዓለምን ዝኾነት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዘገልግል ሰራዊት ፖሊስ ዝጀመርናዮ ህንፀት መንበሪ በዓል 16 ደብሪ ዝኾኑ 12 ህንፃታት ዝሓዘ እዩ ክብላ ሓቢረን።

እዞ ድማ ኣባላት እቲ ሰራዊት ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ፅልዋታት ኣባላት እቲ ሰራዊት ብምቕናስ ብትግሃትን ብኣግባቡን ንህዝቢ ንከገልግል ዝዓለመ ከም ዝኾነ ኣረዲአን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም