መነባብሮ ዜጋታት ምቹውን ዘበናውን ምግባር ዋና ሽቶ መርሃ ግብሪ ልምዓት ኮሪደር እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
መነባብሮ ዜጋታት ምቹውን ዘበናውን ምግባር ዋና ሽቶ መርሃ ግብሪ ልምዓት ኮሪደር እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ 26/2018(ኢዜኣ) መነባብሮ ዜጋታት ምቹውን ዘበናውን ምግባር ዋና ሽቶ መርሃ ግብሪ ልምዓት ኮሪደርና እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ዝረኣናዮ ፕሮጀክት ልምዓት ኮሪደር ዘበናዊ መንገዲ ኣስፋልቲ፣ መብራህትን ዲጂታል ስክሪናትን ዝሓዘ እዩ ኢሎም።
ኣብቶም ዝተዛዘሙ ስራሕቲ ኮሪደር እውን ኣገልግሎት ከም ዝተጀመረ ኣፍሊጦም።
መነባብሮ ዜጋታት ምቹውን ዘበናውን ምግባር ዋና ሽቶ መርሃ ግብሪ ልምዓት ኮሪደርና እዩ ክብሉ እውን ሓቢሮም።
ፅሬቱ ዝሓለወ ዘበናዊ መሰረተ ልምዓት ምስ ሓምለዋይ ልምዓት ብምትእስሳር ምቹውነት ከተማታትና ንምርግጋፅ ንገብሮ ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም።