ሃገራዊ ምኽክር መሰረት ምድምማፅ፣ምርድዳእን ህንፀት ጠንካራ ሃገረ መንግስትን እዩ-ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ሰነ 25/2018 (ኢዜኣ) ሃገራዊ ምኽክር መሰረት ምድምማፅ፣ምርድዳእን ህንፀት ጠንካራ ሃገረ መንግስትን እዩ ክብል ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግሥቲ ገሊፁ።
እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዘውፅኦ ፅሑፍ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ኣብ ሓዱሽ፣ሓቛፍን ስልታውን ምዕራፍ እያ ትርከብ ኢሉ።
እዚ ምዕራፍ ንዘበናት ዝዘለቑ መዋቕራውን ፖለቲካውን ኣፈላላያት ብኩለ መዳያዊ ተሳትፎ ህዝብታት ንምፍታሕ ኣብ ዝሰልጠነ መድረኽ ዘተ ሓባራዊ ብሄራዊ ምርድዳእ ንምህናፅ ዘኽእል ታሪኻዊ ዕድል ከም ዝኾነ እውን ሓቢሩ።
ንነዊሕ እዋን ብውሽጣዊ ንሕንሕን ቅሬታታትን ዝተመልአ ባህሊ ፖለቲካ ብምቕያር ሓቛፍነትን ብሄራዊ ምርድዳእን ቀንዲ መሰረት ሉኣላዊነትን ብልፅግናን ዝገብር ራኢ ሎሚ ብጭቡጥ ተግባራዊ እናተገበረ ከም ዝርከብ እቲ ኣገልግሎት ኣረዲኡ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ሃገራዊ ምኽክር ንኢትዮጵያ ጉዳይ ሕርያ ዘይኮነስ ጠንካራ፣ሉኣላዊትን ዝተረጋግዐትን ሃገር ምህናፅ ዝሓትት ታሪኻዊ ግቡእ እዩ ኢሉ።
ከም ኢትዮጵያ ኣብ ዝበላ ብዝሃነት፣ዝተፈላለዩ ባህልታትን ኣመለኻኽታ ፖለቲካን ኣብ ዘለወን ሃገራት ናይ ሓደ ወገን ሓሳብ ጥራሕ ብምፅዓን ምጉዓዝ ዘላቒ መፍትሒ ከምፅእ ከም ዘይኽእል ብምሕባር፤ ኣድላይነት እቲ ሃገራዊ ምኽክር ካብ ዝኾነ እዋን ብዝበለፀ ጎሊሁ ከም ዝረአ ገሊፁ።
ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ዕላዊ ዝገበሮም 8ቲኦም ዋና ዋና ኣጀንዳታት ምኽክር ካብ ኩሎም ክፋላት እታ ሃገርን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ዝተኣከቡ ድምፅታት መግለፅታት ተስፋታትን ቀፃሊ ራኢታትን ኢትዮጵያውያን ከም ዝኾኑ እውን ኣብሪሁ።
ዕዉትነት እዞም ኣጀንዳታት ናብ ተግባር ንምቕያር ናይ ሓደ ወገን ሓላፍነት ጥራሕ ዘይኮነስ ሰናይን ንቑሕን ተሳትፎ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ዝሓትት እዩ ይብል ኣብቲ ፅሑፉ።
ውድባት ፖለቲካ፣ትካላት ሲቪክ ማሕበረሰብ፣ትካላት ሃይማኖት፣መናእሰይ፣ደቂ ኣንስትዮ፣ሙሁራንን ካልኦት ትካላትን ንዕዉትነት እዚ ታሪኻዊ ከይዲ ዘይትካእ እጃም ከም ዘለዎም ሓቢሩ።
እዚ ከይዲ ኣብ ኢትዮጵያ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ብምጥንኻር መፃኢ ወለዶ ብሰላም፣ምትእምማንን ምትሕብባርን ዝነብረላ ሃገር ንምርካብ ዓብይ ታሪኻዊ ዕድል ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ እዚ ዕድል ብብስለት ብምጥቃም ቀፃሊ ዕድል ሃገርና ብሓባር ክንውስን ይግባእ ኢሉ።
ስለዝኾነ ድማ ከይዲ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ንምትዕንቓፍ ንዝተቐመጡ ኣፍረስቲ ኣጀንዳታት ብምቅላስ፣ ንምድምማፅን ምርድዳእን ቀዳምነት ብምሃብ፣ኣብ ከይዲ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ኣወንታዊ ኣሰርና ክነዕርፍ ይግባእ ክብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም