ፍርያት ውሽጢ ሃገር ብባዕላዊ ዓቕሚ ምዕባይ መሰረት ነፃነት ኢኮኖሚናን ሉኣላዊነትናን እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ፍርያት ውሽጢ ሃገር ብባዕላዊ ዓቕሚ ምዕባይ መሰረት ነፃነት ኢኮኖሚናን ሉኣላዊነትናን እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ 25/2018 (ኢዜኣ) ፍርያት ውሽጢ ሃገር ብባዕላዊ ዓቕሚ ምዕባይ መሰረት ነፃነት ኢኮኖሚናን ሉኣላዊነትናን እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ ኣብ ዞባ ጋሞ ዝርከብ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2017 ዓ/ም ስራሕ ዝጀመረ ፋብሪካ ድንጋይ ከሰል 'ዮ ሆልዲንግ’ ከም ዝተዓዘቡ ሓቢሮም።
እዚ ፋብሪካ ድሌት ኢንዱስትሪታትና ብፍርያት ውሽጢ ሃገር ብምትካእ ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ፍርያት ዘትረፈ ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ ንነበርቲ እቲ ከባቢ እውን ዕድል ስራሕ ፈጢሩ እዩ ኢሎም።
ፍርያት ውሽጢ ሃገር ብባዕላዊ ዓቕሚ ምዕባይ መሰረት ነፃነት ኢኮኖሚናን ሉኣላዊነትናን እዩ ክብሉ እውን ገሊፆም።
ሃፍቲ ተፈጥሮ ሃገርና ብጠንካራ ስራሕ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብምልማዕ ልዕልና ኢኮኖሚና እነረጋግፀሉ ጉዕዞ ተጠናኺሩ ክቕል እዩ ኢሎም።