ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዘበናዊ ሞዴል መንደር ሃማሳ መሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 25/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ልዕሊ 79.4 ሄክታር መሬት ዝዓረፈን ኣካል ልምዓት ኮሪደር ገጠር ዝኾነን ዘበናዊ ሞዴል መንደር ሃማሳ ሎሚ ብዕሊ መሪቖም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ልዕሊ 79.4 ሄክታር መሬት ዝዓረፈን ኣካል ልምዓት ኮሪደር ገጠር ዝኾነን ዘበናዊ ሞዴል መንደር ሃማሳ ሎሚ ብዕሊ ተመሪቑ ኢሎም።



እቲ ሞዴል መንደር መነባብሮን መፍረያይነትን ሓረስታይ ንምዕባይ ዝሕግዙ ዘበናዊ መሕፀቢ ክፍልታት፣ደንበ እንሰሳት፣ስፍራ ኣትክልቲ፣ባዮ ጋዝን ቆፎታት ንህብን ዝተማልእሉ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።
እዚ ድማ ንነበርቲ ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ከም ዘረጋግፅ ሓቢሮም።
እቲ ሞዴል መንደር ክብሪ፣ምቾትን ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነትን እቲ ማሕበረሰብ ገጠር ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሰጋገረ ህያው ውፅኢት ሪፎርምና እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም