ኣብቲ ዋና ጉባኤ ምኽክር ሞያዊ መብራህርሂ ዝህቡ ሰብ ሞያ ኣብ ፍልጠት ዝተመስረተ ሓባራዊ ግንዛበ ንክፍጠር ክሰርሑ ኣለዎም

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 25/2018 (ኢዜኣ) ኣብቲ ዋና ጉባኤ ምኽክር ሞያዊ መብራህርሂ ዝህቡ ሰብ ሞያ እቲ ዘተ ብምኽንያታዊነት ዝምራሕ ንክኸውንን ኣብ ፍልጠት ዝተመስረተ ሓባራዊ ግንዛበ ንክፍጠርን ክሰርሑ ከም ዘለዎም ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ገሊፆም።
ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ምስ ኣብ እዋን እቲ ዋና ሃገራዊ ምኽክር ሞያዊ መብራህርሂ ዘቕርቡ ሰብ ሞያ መድረኽ ዘተ የካይድ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ፤ ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ፣ምክትል ዋና ኮሚሽነር ሂሩት ገብረስላሴ፣ካልኦት ኮሚሽነራት እቲ ኮሚሽንን ፃውዒት ዝተገበረሎም ሙሁራንን ተረኺቦም።
ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ኣብ እዋን እቲ ዋና ጉባኤ ሞያዊ መብራህርሂ ዘቕርቡ ሙሁራን ምስ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ሞያን ብርክታት ሓላፍነትን ዝመፁ እዮም።
እቲ ኮሚሽን ዓብይ ሃገራዊ ሓላፍነት ዝተውሃቦ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብ ዝሓለፉ 4 ዓመታት ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ብዓወት ከም ዘሳለጠ ሓቢሮም።
እቲ ዋና ጉባኤ ምኽክር ዓብይ ከይዲ ታሪኽ ከም ዝኾነን እቲ ከይዲ ድማ ኣብ 8 ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ተኸፊሉ ከም ዝካየድን ኣረዲኦም።
ሙሁራን ኣብ እዋን እቲ ጉባኤ ንሞይኦም ጥራሕ ተኣመንቲ ብምዃን ፍልጠቶም ከካፍሉን እቲ ከይዲ ብምኽንያታዊነት ንክምራሕ ግንዛበ ክፈጥሩን ሓላፍነት ከም ዘለዎም ኣተሓሳሲቦም።
ምክትል ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ሂሩት ገብረሥላሴ ብግደአን፤ ነቲ ዋና ጉባኤ ምኽክር ዝኾኑ 8 ዓበይቲ ኣጀንዳታት ተፈልዮም ዕላዊ ከም ዝተገበሩ ተዛሪበን።
ሞያዊ መብራህርሂ ዘቕርቡ ሰብ ሞያ ዝተሓላለኹ ሃገራዊ ጉዳያት ተሳተፍቲ ብቐሊሉ ክርድእዎ ብዝኽእሉ መንገዲ ከቕርቡ ኣለዎም ኢለን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም