ህንፀት መሰረተ ልምዓት ቱሪዝም ስነ-ምህዳርን ዘላቒ ልምዓትን እታ ሃገር ብዘገናዘበ መልክዕ ይሳለጥ ኣሎ - ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ህንፀት መሰረተ ልምዓት ቱሪዝም ስነ-ምህዳርን ዘላቒ ልምዓትን እታ ሃገር ብዘገናዘበ መልክዕ ይሳለጥ ኣሎ - ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 24/2018 (ኢዜኣ)፦ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ቱሪዝም ስነ-ምህዳርን ዘላቒ ልምዓትን እታ ሃገር ብዘገናዘበ መልክዑ ይሳለጥ ምህላዉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣፍሊጦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) "ሓዱሽ ሞተር ኢኮኖሚ" ብዝብል ርእሲ ምስ ኤን.ቢ.ሲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፤ መሰረተ ልምዓት ቱሪዝም ስነ-ምህዳር፣ ዘላቒ ቱሪዝምን ሓምለዋይ ልምዓትን ብዘጠቓለለ መልክዕ ይህነፅ ከምዘሎ ገሊፆም።
ማሕልኻታት ዓውዲ ቱሪዝም ንምፍታሕ መሰረተ ልምዓት ኣብ ኣርባዕተ ዋና ዋና ክፍልታት ተመቒሉ በትኹረት ይስራሓሉ ከምዘሎ ተዛሪቦም፡፡
ንሳቶም ድማ ልምዓት መባፃሒ ቦታታት ፣ ቦታታት መዕረፊ ቱሪስታት፣ መሰረተ ልምዓት መጓዓዝያ ከምኡ እውን መሰረተ ልምዓታት ዲጂታል ምዃኖም ጠቒሶም፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ጥራሕ ሸውዓተ ተወሰኽቲ መዕረፊ ነፈርቲ ተመሪቖም ስራሕ ዝጀመሩ እንትኸውን፤ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ስራሕ ከምዝጅምሩ ገሊፆም።
ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተን ሸውዓተን ዓመታት ዝተሳለጡ ፕሮጀክታት ገበታ ኣብታ ሃገር ዓቢይ ፅልዋ ከሕድሩ ከምዝኸኣሉ ጠቒሶም፡፡
ኣብዚ እዋን ብገበታ ንሃገርን ትውልዲን ዝተሃንፁ ፕሮጀክታት ኣርባምንጭን ጅማን ዳርጋ ዝተወድኡ ኮይኖም፤ ፕሮጀክት ኣርባምንጭ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝምረቕ ገሊፆም።
ፅልዋ ልምዓት ኮሪደርን ሪዞርታትን እንትገልፁ ድማ፤ ኣብ ኣርባምንጭ፣ ጎርጎራ፣ ሀይቕ፣ ጅማን ጅጅጋን (ሸበሌ) ዝተሃንፁ ሪዞርታትን ልምዓት ኮሪደራትን ምስሊ ከተማታት እቲ ከባቢ ኣብ ምቕያር መዳይ ጭቡጥ ለውጢ የምፅኡ ከምዘለዉ ጠቒሶም።
ዓውዲ ቱሪዝም ንምንቕቓሕ ዝተጠቐሙሎም ምንጭታት ኢንቨስትመንት ኣዝዮም ዝተፈላለዩ ኮይኖም ኣብ ሰለስተ ዋና ዋና ክፍልታት ዝተመቐሉ ምዃኖም ኣመላኺቶም።
እዚኣቶም ድማ ሽርክነት መንግስትን ውልቀን ፣ ተሳትፎ ህዝቢ ከምኡ እውን ድጋፍ ፈተውቲ ሃገራት ምዃኖም ሓቢሮም።
ኣብዚ እዋን ዝረአ ዘሎ ምንቕቓሕ ዓውዲ ቱሪዝም ውፅኢት ዜጋታት፣ ዓውዲ ውልቀ ፣ ናይ ወጻኢ ፈተውቲ ሃገራትን ናይ ውልቀሰባትን ድምር ሃፍቲ፣ ሓሳብን ፍልጠትን ምዃኑ ኣፅንኦት ሂቦም ተዛሪቦም።