ኣብዚ ዓመት ካብ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ቱሪዝምን ጎብነይቲ ወፃእን ልዕሊ 5 ነጥቢ 2 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 23/2018 (ኢዜኣ) ሎሚ ዓመት ካብ ዓለም ለኸ ቱሪዝም ኮንፈረንስ ቱሪዝምን ጎብነይቲ ወፃእን ልዕሊ 5 ነጥቢ 2 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከም ዝተረኸበ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) "ሓዱሽ ሞተር ኢኮኖሚ" ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዓውዲ ቱሪዝም ብዝምልከት ምስ ኤን.ቢ.ሲ ኢትዮጵያ ፃንሒት ገይሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ፃንሒቶም፤ ፖሊሲ ኢኮኖሞ ብዝሃ ዓውዲ ትኹረት ተዋሂብሉ ኢንቨስት ዝተገበረሉ ዓውዲ ቱሪዝም ልክዕ ከም ዓውዲ ግብርናና ኢንዱስትርን ልዑል ውፅኢት እናሃበ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
ሎሚ ዓመት ልዕሊ 1 ነጥቦ 4 ሚልዮን ጎብነይቲ ወፃኢ ሃገራት ንኢትዮጵያ ከም ዝጎብነዩ ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ እዚ ድማ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር 100 ሽሕ፣ ምስ 2016 ዓ/ም እንትነፃፀር ድማ ልዕሊ 300 ሽሕ ጎብነይቲ ወሰኽ ከም ዘለዎ ሓቢሮም።
ካብ ዓለም ለኸ ኣኼባታትን ዋሕዚ ቱሪስት ወፃእን ብሓፈሻ ልዕሊ 5 ነጥቢ 2 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ሸርፊ ወፃኢ ከም ዝተረኸበን እዚ ድማ ቱሪዝም ውፅኢት እናተረኸበሉ ከም ዝኾነን ዘርኢ እዩ ኢሎም።
ቱሪዝም ውሽጢ ሃገር እውን ከም ዝተነቓቕሐ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሎሚ ዓመት ልዕሊ 50 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ተንቀሳቒሶም ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት ከም ዝተጎብነዩ ኣብራህሪሆም።
እዚ ድማ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር 1 ነጥቢ 8 ሚልዮን፣ ምስ ቅድሚ ዓሚ እንትነፃፀር ድማ 9 ነጥቢ 4 ሚልዮን ጎብነይቲ ኣፈላላይ ከም ዘለዎ ተዛሪቦም።
ካብዚ ድማ 79 ቢልዮን ብር ኣታዊ ከም ዝተኣከበ ኣረዲኦም።
ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ሎሚ ዓመት 204 ዓለም ለኸ ጉባኤታት ከም ዝተኻየዱ ብምብርህራህ፤ እዚ ድማ ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብ ዝነበዶ ብ166፣ ዓሚ ካብ ዝነበሮ ድማ 50 ጉባኤታት ወሰኽ ከም ዘለዎ ሓቢሮም።
ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ልዑል ዕቤት እናመፀ ከም ዝኾነ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ናን ኢትዮጵያ መፂኻ ኮንፈረንስ ምግባርን ብጉጅለ ምጉብናይን እናዓበየ ከም ዝመፀ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም