ሕድሳት ታሪኻዊ ሓድግታት ዓውዲ ቱሪዝም ንምዕባይን ምስሊ ሃገር ንምቅያርን ዝዓለመ እዩ - ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ሕድሳት ታሪኻዊ ሓድግታት ዓውዲ ቱሪዝም ንምዕባይን ምስሊ ሃገር ንምቅያርን ዝዓለመ እዩ - ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 23/2018 (ኢዜኣ)፦ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘሳልጦም ሕድሳት ኣብያተ-መንግስቲን ስራሕቲ ልምዓት መባፅሒታት ቱሪስት ሓድግታት ካብ ምሕላው ሓሊፉ፣ ዓውዲ ቱሪዝም ሞተር ኢኮኖሚ ንምግባር ዝዓለሙ ምዃኖም ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ነዚ ዝተዛረቡ ምስ ኤን.ቢ.ሲ ኢትዮጵያ "ሓዱሽ ሞተር ኢኮኖሚ " ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ዙርያ ኣብ ዝገበርዎ ፍሉይ ፃንሒት እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መብርሂኦ ዝተሳለጡ ፍረታት ልምዓት ቱሪዝም መንግስቲ ሓላዊ፣ መሳጋሪን ሓዳስን ሓድግታትን እምበር ኣፍራሲ ከምዘይኮነ ብተግባር ዘረጋገፁ እዮም ኢሎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካብ 35 ንላዕሊ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘመናት ካብ ኢትዮጵያ ዝተወሰዱን ዝተዘረፉን ቅርስታት ምምላስ ከምዝተኻእለ ተዛሪቦም።
ሓድግታት እነምልስን እንሕልውን እምበር እነፍርስ ኣይኮንናን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኣብ ዝርከቡ ታሪካዊ ቦታታት ዝተከናወኑ ስራሕቲ ሕድሳት ትሕዝቶን ድሕንነትን እቶም ሓድግታት ብዝለዓለ ጥንቃቐ ዝሓለዉ ምዃኖም ኣረዲኦም።
ንኣብነት መንደቅ ፋሲለደስ ጎንደር ንሚኢቲ ዓመታት ዝኣክል ከይተሓደሰ ደው ኢሉ ይፈርስን ዙሪያኡ እውን ኣብ ዘሕዝን ኩነታት ዝነበረ ኮይኑ፣ ሐዚ ብዝተገብረሉ ዘመናዊን ጥንቃቐ ዝተመልኦን ሕድሳት ንዝቕጽሉ 50ን 60ን ዓመታት ንወለዶ ዝሰጋገርን ዝኾነ ይኹን በፃሒ ዝኹርዓሉን ከምዝኾነ ገሊፆም።
ሕድሳት ውቅር ኣብያተ ክርስቲያናት ላሊበላ ብክኢላታት ወፃኢ ሃገር ኣቢሉ ጥንቃቐ ብዝተመልኦ መገዲ ይስራሕ ከምዘሎ ኣብሪሆም።
ቅድም ኢሉ ብሰንኪ ሕፅረት መሰረተ-ፈ ልማዓትን ዝተፈላለዩ ምኽንያታትን ንምእታው ኣፀጋሚ ዝነበረ በዓቲ ሶፍ ኡመር ሐጂ ልዑል ለውጢ ተገይሩሉ ንበፃሕቲ ምቹው ከምዝተገብረ ሓቢሮም።
ደጎል ጀጎል እውን ታሪካዊ ትሕዝትኡ ብዝሓለወ መልክዑ ፅቡቕ ኮይኑ ከምዝተሓደሰ ኣልዒሎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ቅድም ኢሉ ግቢ ብሄራዊ ቤተ-መንግስቲ ዝኣረጉ ተሽከርከርትን መሳርሒታትን ዝእከብሉ ከምኡ እውን ትሕቲ መሬት ክፍሊ ብውሕጅ ዝመልአን ንኣተሓሕዛ ዘፍርሕ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፤ ሐዚ ግን ብሚሊዮን ዝቑጸር ህዝቢ ዝበፅሖን ዝኹርዓሉን ቦታ ኮይኑ ኣሎ ኢሎም።
ተሽከርከርቲ ቤተ-መንግስቲ ኣሐዲስካ ኣብ ስራሕ ንምውዓል ልዑል ፃዕሪ ከምዝሓተተ ብምልዓል፤ ነዚ ሓቂ እዚ ናብ ጎኒ ብምግዳፍ ሓድግታት ተበላሽዮም ዝብሉ ሓሳባት ኣብ ጭቡጥ መረዳእታ ዘይተመስረቱ እዮም ኢሎም።
መንግስቲ ኣብ ልምዓት መባፅሒታት ቱሪዝም ዝተኸተሎ መትከል ፅሬትን ትኽክለኛነትን መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣፅንኦት ሂቦምሉ።
ኣብታ ሃገር ዝህነፁን ዝሕደሱን መባፅሒታት ንኹሎም ሃይማኖታት፣ ከባቢታትን ታሪኻትን ብማዕርነት ዘንፀባርቑን ሓፈሻዊ መልክዕ ኢትዮጵያ ብሓባር ዘርእዩን ምዃኖም ገሊፆም።
ብክኢላታትን ሃገር ውሽጥን ብወፃኢን ዝስርሑ ስራሕቲ ልምዓት ብልዑል ምክትታልን ትኹረት ኣመራርሓን ዝምርሑ ብምዃኖም ከይዲ ፅገናን ህንፀትን ፅርየቶም ዝሓለወ ምዃኑ ኣረዲኦም።
ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ዝተሰርሑ ስራሕቲ ኢትዮጵያ ንዓለምን ንዜጋታታን እተርእዮም ድንቕ ሃፍትታት ዝገለፁ ምዃኖም ብምልዓል ዝተመዝገበ ውፅኢት ዝሕጉሱ ምዃኖም ኣመልኪቶም፤ መንግስቲ ናይ ሓድግታት “መመላኸዕን ዓይኒ ገላፅን” ምዃኑ ብተግባር ከምዘርኣየ ተዛሪቦም።