ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሓዱሽ ሞተር ኢኮኖሚ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ምስ ኤንቢሲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ካብ ዘለዓልዎም ዋና ዋና ነጥብታት፡-

✍️ ንቱሪዝም ዝተውሃቦ ትኹረት መበገሲኡ ራኢና እዩ። ራኢና ድማ ዝማዕበለት፣ ዝተለወጠት፣ ዝተኸበረት ሃገር ሰሪሕና ንደቅና ምርካብ እዩ።
✍️ ቱሪዝም ሓደ ጉዳይ ኣይኮነን፤ ዝተፈላለዩ ነገራት ይነኻኽእ እዩ። ናብ ሃገርና እንትነምፅኦ ብዋናነት ኢኮኖሚያዊ ረብሓ እዩ።
✍️ ብብዙሕ መልክዑ ኣብ ቱሪዝም ኢንቨስት ምግባትር ብብርኪ ዓለም ዘሎ ሃፍቲ ንምክፋል ንኢትዮጵያ ኣድላይ ስለ ዝኾነ እዩ ካብቶም 5 ዓውድታት እቲ ሓደ ገይርና ዝወሰድናዮ።

✍️ ዕቑር ዓቕሚ ቱሪዝም ኢትዮጵያ ኣዝዩ ልዑል እዩ። ብርክት ዝበሉ ኣትራክሽን ዘለውዋ ሃገር እያ።
✍️ ኢትዮጵያ ካብ ዘለውዋ ተፈጥሮኣዊ፣ ሰብ ስራሕን ሃይማኖታውን ቅርፅታት ብተወሳኺ ዘርኢ ወዲ ሰብ፣ ቡን፣ ጣፍ ዝርከበላ ከምኡ እውን ንወረርቲ ተቓሊሳ ዘሸነፈት ኣፍሪካዊት ሃገር ዘብላ ከም ዓድዋ ዝበለ ዝነኣድ ታሪኽ ዝሓዘት እያ።
✍️ ቅድሚ ሕዚ ንቱሪዝም ብዝምልከት ዝነበረ ኣተሓሳስባ ዋና ዓውዲ እዩ፣ ይጠቅም እዩ፣ የስርሕ እዩ፣ የብልዕ እዩ፣ ምስሊ ሃገር ይሃንፅ እዩ ዝብል ዘይኮነስ ከም ደጋፊ ዓውዲ እዩ ዝውሰድ ኔሩ። ሕዚ ግና ካብቶም 5 ዓምድታት ኢኮኖሚ ኢ ሓደ ኮይኑ እናተሰርሐሉ እዩ።
✍️ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ካብ ኢትዮጵያ ተሰሪቖም ዝነበሩ ሓድግታ ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ልዕሊ 35 ሓድግታት ተመሊሶም እዮም።
✍️ሓድጊ ከም ዕድል ኢና ንሪኦ። ሓድጊ ኣምሊስና ኢና፣ ሓድጊ ሓዲስናን ፀጊንናን ኢና፣ ዝጎደሉ ድማ ሃኒፅና ኢና።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም