እቲ ቤት ምኽሪ ሰለስተ ኣዋጃት ኣፅደቑ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 23/2018 (ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ረቂቕ ኣዋጃት መመሓየሺ ምምሕዳር ታክስ ፌደራል፣ ስታቲስቲክስ ኢትዮጵያን ዕዳጋ ካርቦን ኣፅዲቑ።

እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ መበል 29 ስሩዕ ኣኼብኡ ካብ ምፅዳቕ ኣዋጅ ብተወሳኺ፣ ኣብ ረቂቕ በጀት መንግስቲ ፌደራል በጀት ዓመት 2019 ብዝርዝር ዘትዩ እዩ።

ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ፕላን፣ በጀትን ፋይናንስን ኣይተ ደሳለኝ ወዳጄ ነቶም ረቂቕ ኣዋጃት ዝምልከት ሪፖርትን ውሳነ ሓሳብን ነቲ ቤት ምኽሪ ኣቕሪቦም።

እቶም ኣካቢ ከምዝገለፅዎ፤ ረቂቕ ኣዋጅ መመሓየሺ ምምሕዳር ታክስ ፌደራል ኣብ መንጎ ከፋሊ ታክስን ኣካቢ ታክስን ዝለዓሉ ዘይምርድዳኣት ንምፍታሕ፣ ተሓታትነትን ፍትሓውነትን ንምስፋን ከምኡ እውን እውን ዘመናዊ ስርዓት ምምሕዳር ታክስ ንምዝርጋሕ ዘኽእል እዩ።


 

እቲ ኣዋጅ ዘይሻራዊ መስማዕመዒ ክምደብ ብምግባር ዘይምርድዳኣት ብመገዲ መማረፂታት ንምፍታሕ ዘኽእል ብምዃኑ እቲ ቤት ምኽሪ ንኸፅድቖ ሓቲቶም።

ብኻልእ ወገን ረቂቕ ኣዋጅ ስታቲስቲክስ ኢትዮጵያ ጉዕዞ ዕብየትን ፕሮግራማት ለውጥን ከምኡ እውን ኣወፃፅኣ ፖሊሲ ኣብ መረዳእታ ዝተመስረተ ንምግባር ዘኽእል እዩ ኢሎም።

ዘመናዊ፣ ጠንካራ ሕጋዊ መሰረትን ዘለዎ፣ ዓለምለኻዊ ስርዓት ዝተኸተለ ማዕቐፍ ስታቲስቲክስ ንክህሉ ዝገብር ምዃኑ እውን ተዛሪቦም።

ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣይተ ደሳለኝ ወዳጄ ረቂቕ ኣዋጅ ዕዳጋ ካርቦን ኢትዮጵያ እናዓበየ ዝመፀ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ናብ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ንምስግጋር፣ ሓምለዋይ ኢንቨስትመንትን ምስጋር ቴክኖሎጂን ንምቅልጣፍ ዝሕግዝ እዩ ኢሎም።

እቲ ቤት ምኽሪ እውን በቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ዝቐረቡ ውሳነ ሓሳባት ብምምርማር ሰለስቲኦም ረቂቕ ኣዋጃት ኣፅዲቕዎም እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም