ዓውዲ ቱሪዝም ዘፈር ንሃገር ኢኮኖሚን ንህንፀት ምስሊ ናይ ምውዓል ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እዮም

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 23/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ዘብቑዓትን ተወዳደርትን ክኢላታት ብምፍራይ ኢኮኖሚ ሃገርን ምስሊ ንምህናፅ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ሚኒስትር ዴኤታ ስራሕን ክእለትን ተሻለ በሬቻ (/) ገሊፆም።

ኢንስቲትዩት ቱሪዝም ፌደራልሉዑል ክእለት ንዕብየት ቱሪዝምብዝብል መሪሕ ቃል መበል 13 ሰሙን ቱሪዝምን መስተንግዶን ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ምኽባር ጀሚሩ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ መርሃ ግደብሪ ሚኒስትር ዴኤታ ስራሕን ክእለትን ተሻለ በሬቻ (/) ሚኒስትር ዴኤታ ቱሪዝም ኣይተ ስለሺ ግርማ፣ ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ኣይተ ጌታቸው ነጋሽ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ተዋሳእቲ እቲ ዓውድን ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም እዮም።

ሚኒስትር ዴኤታ ስራሕን ክእለትን ተሻለ በሬቻ (/) ኣብቲ እዋን ከም ዝበልዎ፤ መንግስቲ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ውፅኢታውን ብቑዕን ሓይሊ ሰብ ንምፍራይ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ሪፎርም  ከምዘሳለጡ ገሊፆም።


 

እቲ ምምሕያሽ ስዒቡ ኢንስቲትዩት ቱሪዝም ፌደራል ናይ ምጥንኻር ስራሕ ዝተሰርሐ ኮይኑ፣ እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝተፈላለዩ ዓወድታት ቱሪዝም ብቑዓትን ተወዳደርትን ክኢላታት ከፍሪ ከምዝኸኣለ ኣመላኺቶም።

እቲ ኢንስቲትዩት ካብ ስሩዕ ትምህርቲ ብተወሳኺ ሓፀርቲ ስልጠናታት ብምሃብ ንብርክት ዝበሉ ዜጋታት ክበፅሕ ከምዝኸኣለ ዘልዓሉ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ፣ በዚ ድማ ንብዙሓት ዕድል ስራሕ ይፍጠር ከምዘሎ ኣገንዚቦም።

ኣብቲ ዓውዲ ንሃገር ውሽጢ ሃጥራሕ ዘይኮነስ ንዕዳጋ ወፃኢ ሃገራት እውን ተወዳዳሪ ክኸውን ዝኽእል ሓይሊ ሰብ ይፈሪ ከምዘሎን እዚ ተግባር ድማ ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእን ገሊፆም።

ቱሪዝም ካብ ዘለዎ ልዑል ረብሐ ኢኮኖሚ ብተወሳኺ ንህንፀት ምስሊ ሃገር ዓብዪ እጃም ከምዘለዎ ብምጥቃስ፣ ኣብ ቀፃሊ እውን ፅሬት ኣገልግሎት ኣብ ምርግጋፅ መዳይ ብፍሉይ ቆላሕታ ክስራሕ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ሰሙን ቱሪዝምን መስተንግዶን ምኽባሩ፣ ዕዳጋ ስራሕን ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብን ብቐጥታ ንምርኻብ ከምኡ እውን እቲ ዓውዲ  ብዝበለፀ ንምዕባይ ዝሕግዙ ጠቐምቲ እታወታት ንምእካብ ዓብዪ እጃም ከምዘለዎ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም