እቲ ሓዱሽ ዝምስረት መንግሥቲ ዕቤትን ብልፅግናን ሃገር ኣብ ዘቀላጥፉ ስራሕቲ ትኹረት ክገብር ይግባእ-ሙሁራን

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 23/2018 (ኢዜኣ) ብመሰረት ውፅኢት 7ይ ሓፈሻ መረፃ ዝጣየሽ ሓዱሽ መንግስቲ ዕቤትን ብልፅግናን ሃገር ኣብ ዘቀላጥፉ ስራሕቲ ልምዓት ትኹረት ክገብር ከም ዝግባእ ሙሁራን ገሊፆም።
ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዕላዊ ብዝገበሮ መሰረት ውፅኢት 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጵያ ፓርቲ ብልፅግና መንግሥቲ ንምጥያሽ ዘኽእሎ ኣብዝሓ ድምፂ ረኺቡ እዩ።
ስለዝኾነ ድማ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝመፅእ ወርሒ መስከረም ሓዱሽ መንግስቲ ከጣይሽ እዩ።
እቲ ዝጣየሽ ሓዱሽ መንግስቲ ብዝምልከት ኢዜኣ ዘዘራረቦም ሙሁራን፤ እቲ ሓዱሽ መንግሥቲ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅን ሕብረትን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ንምጥንኻርን ትኹረት ክህብ ይግባእ ኢሎም።
ኣብ ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ፖሊሲ ተመራማርን ተንታንን ምምሕዳር ስነ መንግስትን ህዝብን ጫሊ ኢተፋ (ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ መረፃ ህዝቢ ድምፂ ንዝሃቦ ፓርቲ ሓደራን ሓላፍነትን ዘረክበሉ ከይዲ ዲሞክራሲ እዩ።
7ይ ሓፈሻዊ መረጻ ሰላማዊ፣ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ብዝኾነ መንገዲ ከምዝተኻየደ ብምግላፅ፤ ብመሰረት ውፅኢት እቲ መረጻ ዝጣየሽ ሓዱሽ መንግሥቲ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ፖለቲካን ዲሞክራስን ንምስፋሕ ክሰርሕ ኣለዎ።
ኢትዮጵያ ቀዳምነት ንጎረቤት ብዝብል መትከል እትኽተሎ ዘላ ዞባዊ ምትእስሳር ኣጠናኺራ ክትቕፅለሉ ከም ዘለዋ እውን ተዛሪቦም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምህርን ተመራማርን ሰላምን ድሕንነትን ሙሉጌታ ኣየለ (ዶ/ር) ብግደኦም፤ ኣብ ቀፃሊ ዝጣየሽ መንግስቲ ዓውዲ ኣገልግሎትን ምምሕዳርን መንግስቲ ብዝበለፀ ብምምዕባል ብልሹው ኣሰራርሓ ንምትራፍ ቀዳማይ ዕዮ ገዝኡ ክኸውን ከም ዝግባእ ኣረዲኦም።
ስለዝኾነ ድማ ዝተጀመረ ህንፀት ጠንካራ ትካላት ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም