መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ማዕርነት ፆታን ውሳነ ወሃብነት ደቂ ኣንስትዮን በትኹረት ክሰርሑ ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 23/2018 (ኢዜኣ) መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ማዕርነት ፆታን ውሳነ ወሃብነት ደቂ ኣንስትዮን በትኹረት ክሰርሑ ከምዝግባእ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ  ኢትዮጵያ ሃይማኖት ዘለቀ ገሊፀን።

በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ምስ ኢንተርናሽናል ሚዲያ ስፖርት (IMS) ብምትሕብባር ኣብ ስርዓተ ፆታን ምብቃዕ ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታትን ዘተኮረ ዘተ ፓናል ውይይት የካይድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት መራኸብቲ ሓፋሽ ዝተውፃእፅኣ ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታትን ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላትን ይሳተፉ ኣለዉ።

እተን ዋና ዳይሬክተር ሃይማኖት ኣብቲ እዋን ከምዝገለፃኦ፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ማዕርነት ጾታ ንምስፋን ኣብ ዘኽእሉ ተግባራት ቆላሕታ ሂቦም ክሰርሑ ይግባእ።

ብመሰረት ኣዋጅ መራኸብቲ ሓፋሽ ቁጽሪ 1238/2013 ክብሪ ደቂ ኣንስትዮ ኽብሪ ዘውርዱ፣ ዓመፅ ዘተባብዑ መልእኽትታት ምስርጫው ብጥብቂ ዝተኸልከለ ምዃኑ ኣዘኻኺረን።


 

ስለዝኾነ ንጉዳያት ንስርዓተ ፆታ እኹል ኣየር ሰዓት ብምምዳብ፣ ዘይግቡኣት ኣገላልጻታት ብምውጋድን ፍትሓውነትን ማዕርነትን ጾታ ኣብ ምርግጋፅ መዳይ መራኸብቲ ሓፋሽ ምስ ኤዲቶሪያል ፖሊሲኦም ኣጠዓዒሞም ክትግብሩ ይግበኦም ኢለን።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለምለኻውን ኣህጉራውን መሰል፣ ውክልናን ተሳትፎን ደቂ ኣንስትዮ ንምጥንኻር ብርክት ዝበሉ ስምምዕነታት ተቐቢላ እናተግበረት ምዃና ኣልዒለን።

ኣብዚ እዋን ኣብ ብዙሓት ትካላት መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ደረጃ ኣመራርሓ ደረጃ፣ ውሳነ ወሃብነትን መስርሕ ምድላው ትሕዝቶን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ምምሕያሻት የርእይ እኳ እንተሃለወ ብዝበለጸ ክጎልብት ከምዝግባእ ገሊፀን።

ኣብ ቀጻሊ እውን ተሳትፎን ኣመራርሓነትን ደቂ ኣንስትዮ ምጥንኻር፣ ኣብ ከይዲ ፍርያትን ፈነወን ትሕዝቶ ሚዛን ስርዓተ ፆታ ምርግጋፅ፣ ትሕዝቶታት ብናይ መነጽር ፆታ ምክትታል፣ ኣግለልትን ኣፈላላይ ዝፈጥሩን ቋንቋታት ምውጋድ፣ ቀጻልነት ዘለዎ ስርዓት ስልጠና ዓቕሚ ህንፀት ምድላው ይግባእ ኢለን።

መራኸብቲ ሓፋሽ ዝተጠናኸረ ኣሰራርሓ ኤዲቶሪያል ስርዓተ ፆታ  ብምዝርጋሕ፣ ንጉዳያት ስርዓተ ጾታ እኹል  ኣየር ሰዓትን ሽፋንናን ብምሃብ፣ ሕግን ስነ-ምግባር እቲ ሙያን ሓልዮም ዘቕርቡሉ ኣሰራርሓ ኣብ ምዝርጋሕ በትኹረት ክሰርሑ ከምዝግባእ ብኣፅንኦት ኣተሓሳሲበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም