መግለፂ ኣካውንት መሬትን ፍኖተ-ካርታ ኣካውንት ካፒታል ተፈጥሮን ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 23/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ቀፃልነት ዘለዎ፣ሓቛፋይን ዘይርታዕን ዕብየት ንምምዝጋብ ንእትገብሮ ፃዕሪ ጠቓሚ መሰረት ኮይኑ ዘገልግል መግለፂ ኣካውንት መሬትን ፍኖተ-ካርታ ኣካውንት ካፒታል ተፈጥሮን ዕላዊ ምዃኑ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ገሊፁ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ዝተሓተመ መግለፂ ኣካውንት መሬትን ፍኖተ-ካርታ ኣካውንት ካፒታል ተፈጥሮን ዕላዊ መግበሪ መርሃ ግብሪ ኣካይዱ፡፡  

ኣብቲ ዕላዊ መድረኽ ሚኒስትር ዴኤታ ፕላንን ልምዓትን ኣይተ በረከት ፍስሃፅዮን፣ ኦፕሬሽን ማናጀር ባንኪ ዓለም ጁልያን ቪክቶርን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ተረኺቦም እዮም።

ሚኒስትር ዴኤታ ፕላንን ልምዓትን ኣይተ በረከት ፍሰሃፅዮን ኣብቲ መድረኽ ከም ዝገለፅዎ፤ ዕላዊ ዝኾኑ ሰነዳት ሃገራዊ ሓባራዊ ራእይ ጋህዲ ንምግባር ዓብዪ ዓቕሚ ኣለዎም።

ብፍላይ ድማ ኣብ መረዳእታ ዝተመስረተ ፖሊሲ ንምቕራፅ፣ ፀጋታት ተፈጥሮ ብኣግባቡ ኣብ ጥቕሚ ንምውዓል፣ ቀፃልነት ዘለዎ ጠንካራ ኮኖሚ ንምህናፅ ብሓባር ንምስራሕ ዘለና ቆራጽነት እነርእየሉ እዩ ኢሎም።

እቶም ሰነዳት ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት መንግስቲ ብዝተውፃእፅኡ ክኢላታት እቲ ዓውዲ ዝተዳለዉ ምዃኖም ብምጥቃስ፣ እዙይ ድማ መርኣያ ውፅኢት ዝለዓለ ምትሕብባር ምዃኑ ገሊፆም።

እቶም ሰነዳት ዝተዳለዉ ብሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ብዝምራሕ ስቲሪንግ ኮሚቴ፣ ከምኡ እውን ብትካላት መፅናዕትን ምርምርን ናይ ቀረባ ክትትልን ድጋፍን ምዃኑ ወሲኾም ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም