ሓዱሽ ዝዋቐር ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ዝፈጠሮ ጉዕዞ ብልፅግና ናይ ምቕፃል ህዝባዊ ሓደራ ኣለዎ - ኢዜአ ትግርኛ
ሓዱሽ ዝዋቐር ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ዝፈጠሮ ጉዕዞ ብልፅግና ናይ ምቕፃል ህዝባዊ ሓደራ ኣለዎ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 23/2018 (ኢዜኣ)፦ ብመሰረት ውፅኢት ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ ዝዋቐር ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሃገራዊ ለውጢ ኢትዮጵያ ዝፈጠሮ ጉዕዞ ብልፅግና ጉዕዞ ናይ ምቕፃል ህዝባዊ ሓደራ ከምዘለዎ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣከብቲ ቀዋሚ ኮሚቴታት ገሊፆም።
ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ንኹሉ ዝሓቖፈ፣ ናፃ፣ ቀጥታዊ፣ ትክክለኛ ብዝኾነን ድምፂ ብምስጢር ብዝውሃበሉ ስርዓትን በቢ ሓሙሽተ ዓመት ብህዝቢ ከምዝምረፁ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ኢፌዴሪ ዓንቀጽ-54 ብንፁር ተመላኺቱ እዩ።
ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ እውን ወከልቲ መላእ ህዝቢ ብምዃኖም፣ ተገዛእነቶም ንሕገ-መንግስቱ፣ ንህዝብን ንሕልንኦምን ጥራሕ ምዃኑን ብውክልና ህዝቢ ሓላፍነት ምክትታልን ቁጽጽርን ከምዝተዋህቦም ተቐሚጡ እዩ።
ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ዓንቀፅ-58 ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝምረፅ ንሓሙሽተ ዓመታት እዩ፤ እዋን ስራሑ ቅድሚ ምብቅዑ ሓደ ወርሒ ኣቐዲሙ ሓዱሽ ምርጫ ተኻይዱ ዝውዳእ ይኸውን።
24 ጉንቦት 2018 ዓ.ም ዝተኻየደ ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጵያ ስዒቡ እውን፣ ኣብ ዝመፅእ ወርሒ መስከረም እቲ ተዓዋቲ ዝኾነ ፓርቲ ብልፅግና ሓዱሽ መንግስቲ ከጣይሽ ትፅቢት ይግበር፡፡
ሻድሻይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ስራሕ ዘመን ሓምሻይ ዓመት እውን ኣብዚ ዓመት ዝዛዘም ኮይኑ፤ ኣብ ዝመፅእ መስከረም እቲ ሓዱሽ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝጣየሽ ይኸውን።
ኣብቲ ቤት ምኽሪ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ፕላን፣ በጀትን ፋይናንስን ኣይተ ደሳለኝ ወዳጀ ከምዝበልዎ፤ ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ ድልየት ልምዓት፣ ሰላምን ሰናይ ምምሕዳርን ዜጋታት ዘመስከረ እዩ።
ሕብረተሰብ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ እውን ከይተረፈ ተሰሊፉ ይውክለኒ እዩ ንዝበሎ ፖለቲካዊ ፓርቲ ድምፂ ምሃቡ፣ ንህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ዘለዎ ቆራፅነት ብግብሪ ዘርኣየሉ ምዃኑ ገሊፆም።
ብመሰረት ውፅኢት ሓፈሻዊ መረፃ ዝዋቐር ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ እውን፣ ሃገራዊ ለውጢ ኢትዮጵያ ዝፈጠሮ ጉዕዞ ብልፅግና ናይ ምቕፃል ህዝባዊ ሓደራ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።
ኣብ ዝመፅእ መስከረም ብዕሊ ስርሑ ዝጅምር ሓዱሽ ቤት ምኽሪ፣ ጉዳያት ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ሕብረተሰብ ዘቃላጥፍ ፅኑዕ ስራሕቲ ክትትልን ቁፅጥርን ከምዝፅበዮ ኣልዒሎም።
ብፍላይ ድማ ዓበይቲ ሃገራዊ ፕሮጀክትታት ልምዓት ብዓወት ተዛዚሞም ኩለመደያ ዓቕሚ ዕብየት ሃገርን ህዝብን ክኾኑ ናይ ምግባር ታሪኻዊ ሓላፍነት ምውፃእ ከምዝሓትት ኣረዲኦም።
ኣብቲ ቤት ምኽሪ ምክትል ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያጥ ጥዕና፣ ማሕበራዊ ልምዓት፣ ባህልን ስፖርትን ታደለ ቡራቃ (ዶ/ር) ብወገኖም፤ ኣብ ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ሃገራዊ ፕሮጀክትታት ልምዓት ይህነፁ ከምዘለዉ ገሊፆም።
እቲ ሓዱሽ ቤት ምኽሪ እውን ኩለመደያዊ ብልፅግና ኢትዮጵያ ምርግጋፅ ዘኽእል ፅኑዕ ክትትልን ቁፅፅርን ኣፈፃፅማ ስራሕቲ ፕሮጀክት ናይ ምውፃእ ህዝባዊ ሓደራ ከምዝተዋህቦ ገሊፆም።
መንግስቲ ብፖሊሲ ስጉምትታትን ውፅኢታውነትን፤ ዜጋታት ድማ ብምትሕብባር ድልዱል ቅርበት ምትሕብባር ብምህናፅ ዕብየት ኢትዮጵያ ከቀላጥፉ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
ዜጋታት ኣብቲ ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ ኩለመደያዊ ተረባሕነት ሃገር ዘረጋግፅ ባህለ ዲሞክራሲ ንምህናፅ ዘለዎም ቆራፅነት ብግብሪ ከምዘመስከሩ ተዛሪቦም።
እካልእ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ምክትል ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕግን ፍትሕን ኢሳ ቦሩ፤ ድሕሪ መረፃ ፖለቲካዊ ውድባት ነቲ ውድድር ናብ ምትሕብባር ብምዕባይ ንህንፀት ዲሞክራስን ጠንካራ ሃገረ መንግስትን ክሰርሑ ይግባእ ኢሎም።
ሕብረተሰብ መንግስቲ ናይ ምድልዳል፤ መንግስቲ እውን ንህዝቢ ዝኣተዎ ቃል ብምፍፃም ውፅኢታዊ ዓቕሚ ዕብየት ዝኾኑ ስራሕቲ ልምዓት ክሃንፅ ከምዘለዎ ገሊፆም።
ብልፅግናን ዕብየትን ኢትዮጵያ ንምርግጋፅን ሃገራዊ ሽቶታት ልምዓት ንምስኻዕን ኹሉ እጃሙ ክወፃእ ከምዝግባእ እውን ገሊፆም።
ሽቶታት ልምዓት ንምስኻዕን ኢትዮጵያ ኣብነት ብልፅግና ንምግባርን እቲ ቤት ምኽሪ ሽቶታት ልምዓት ከዐውቱ ዝኽእሉ ሕግታት ናይ ምውፃእ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።
ልምዓት ኮሪደር ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ብዓወት ይፍፀሙ ከምዘለዉ ብምሕባር፤ ሕብረተሰብ ብዘለዎ ፍልጠት፣ ጉልበትን ዓቕምን ካብ ጎኒ መንግስቲ ብምስላፍ ዕብየት ኢትዮጵያ ንምቅልጣፍ እጃሙ ክዋፃእ ትፅቢት ይግበር ኢሎም፡፡