ኣብ መላእ ሃገር 563 ሽሕን 501ን ተምሃሮ ሃገራዊ ፈተና መውፅኢ ክፍሊ 12 ክወስዱ እዮም - ሚኒስቴር ትምህርቲ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 23/2018 (ኢዜኣ): ኣብ መላእ ሃገር 563 ሽሕን 501 ተምሃሮ ሃገራዊ ፈተና መውፅኢ ክፍሊ 12 ከም ዝወስዱ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ኣብ ቤተ-መፃሕፍቲ ኣብረሆት ተረኺቦም ከይዲ እቲ ፈተና ኣጀሚሮም።

ከይዲ እቲ ፈተና ኣመልኪቶም ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ እቲ ፈተና ብኦንላይን ብወረቐትን ከም ዝወሃብ ኣፍሊጦም።

ካብቶም ናይዚ ዓመት ፈተና መውፅኢ ክፍሊ 12 ዝወስዱ ጠቕላላ ተፈተንቲ ተምሃሮ እቶም 62 ሚኢታዊት ብኢንተርኔት፤ እቶም ዝተረፉ ድማ ብወረቐት ከም ዝወስዱ ገሊፆም።


 

ኣብዚ ዓመት ዝለዓለ ትምህርቲ መጠናኸሪ ብምውሃቡ ዝለዓለ ውፅኢት ክምዝገብ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ከም ዝግበር እውን ተዛሪቦም፡፡  

ናይዚ ዓመት ፈተና ብዘይ ምንም ስርቅን ምትላልን ተምሃሮ ብኽእለቶምን ብብቕዓቶምን ዝፍተኑሉ ምዃኑ ገሊፆም።

በዙይ መሰረት ድማ ኣብ መላእ ሃገር 563 ሽሕን 501 ተምሃሮ ነቲ ፈተና ከም ዝወስዱ ኣፍሊጦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም