ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ካብ መሸጣ ወርቂ ናብ መሸጣ ሰብ ተሰጋጊሩ ይርከብ-ፕሬዚዳንት ውድብ ወለዶ ትግራይ ጉዕሽ ግደይ - ኢዜአ ትግርኛ
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ካብ መሸጣ ወርቂ ናብ መሸጣ ሰብ ተሰጋጊሩ ይርከብ-ፕሬዚዳንት ውድብ ወለዶ ትግራይ ጉዕሽ ግደይ
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ 22/208(ኢዜኣ) ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ካብ መሸጣ ወርቂ ናብ መሸጣ መንእሰይ ትግራይ ከም ዝተሰጋገረ ፕሬዚዳንት ውድብ ወለዶ ትግራይ ኣይተ ጉዕሽ ግደይ ገሊፆም።
ፕሬዚዳንት ውድብ ወለዶ ትግራይ ኣይተ ጉዕሽ ግደይ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ብዝምልከት ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ብምፍራስን ምስ ደጋዊ ፀላእቲ ብምሕባርን ኲናት ንምውላዕ ኣብ ክልል ትግራይ ኩሎም ፖለቲካውን ሰላማውን መንገድታት ዓፅዩ ብጉልበት ዘመሓድረሉ ኩነታት ፈጢሩ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ንህዝቢ ትግራይ ሰላም ዝፈጠረ ታሪኻዊ ስምምዕ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ይኹን እምበር እቲ ብዘይ ኲናትን ዕግርግርን ክነብር ዘይኽእል ዘይሕጋዊ ጉጅለ እቲ ስምምዕ ኣፍሪሰዮ እየ ኢሉ ከም ዝኣወጀ ሓቢሮም።
እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እውን እናተኸታተሎን እናኾነኖን ከም ዝርከብ ብምግላፅ፤ ነዚ ድማ ሕብረት ኣውሮፓን መንግስቲ ኣሜሪካን ዘውፅእዎም መግለፅታት ከም ኣብነት ኣልዒሎም።
እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ብሽም “ፅምዶ” ምስ ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ እውን ክሕደት ሃገር፣ ኣንፃር ሕገ መንግስትን ረብሓ ህዝቢ ትግራይን እዩ ኢሎም።
እቲ ጉጅለ ክፍጠር ከሎ ሒዙ ኣንፃር ሃገርን ህዝቢ ትግራይን ዝተቓለሰ ሓይሊ ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ ካብ ንረብሓ ትግራይን ኢትዮጵያን ንረብሓ ሻዕብያ ዝተቓለሰሉ ከም ዝዕብልል እውን ኣረዲኦም።
ህዝቢ ትግራይ እቲ ጉጅለ ካብ ዝመርሖም ኩሎም ኲናታት ዝኾነ ረብሓ ከም ዘይረኸበ ዝገለፁ ኣይተ ጉዕሽ፤ እዚ ጉጅለ ሕዚ እውን በቲ ተደጋጋሚ ዝወደቐሉ መንገዲ እናተጉዓዘን ምስ ደጋውን ውሽጣውን ፀላእቲ ተሰሊፉ ንኲናት እናተዳለወን ከም ዝርከብ ገሊፆም።
እቲ ጉጅለ ኣብ ትግራይ ‘ሕገ ኣራዊት’ ብምፅዳቕ መናእሰይ እናገፈፈን ንወለዲ እውን እናኣሰረን ወለዶ ንምፅናት እናሰርሐ ከም ዝርከብ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ኣንፃር እቲ ጉጅለ ከም ዝኾነን ብድሌቱ ከም ዘይዋገአሉን ዘረጋገፀ እዩ ኢሎም።
እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ቅድሚ ሕዚ ወርቂ እዩ ዝሸይጥ ኔሩ ዝበሉ ፕሬዚዳንት ውድብ ወለዶ ኣይተ ጉዕሽ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ንመናእሰይ ትግራይ ናብ ኲናት ሱዳን ብምሻጥ ፍልፍል ኣታዊኡ እናገበሮም ከም ዝርከብ ተዛሪቦም።
ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ኣትይዎ ዝርከብ ቅልውላው ንምድሓን ምስ መንግሥቲ ፌዴራል ሓቢርና እናሰራሕና ኢና ዝበሉ ኣይተ ጉዕሽ ግደይ፤ እዚ ጉጅለ ክእለ፣ህዝቢ ትግራይ ብዘላቕነት ሰላም ንክረክብን ምስ ጎረባብትን ካልኦት ኢትዮጵያውያንን ብሰንኪ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ተፈጢሩ ዝነበረ ቅርሕንቲ ንምሕካምን እናሰራሕና ኢና ንርከብ ኢሎም።
ህዝቢ ትግራይ እውን ኢትዮጵያውነት ንጉሆን ምሸትን እትቐያይሮ ሽም ከም ዘይኮነ፣ኣብ ኣፍሪካ እቲ ዝደመቐ ሽም ከም ዝኾነ፣ኣካል ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ምዃንና ብምርዳእ ምስ መንግሥቲ ኢትዮጵያን ካልኦት ኢትዮጵያውያንን ኮይኑ ኣንፃር እቲ ድሑር ጉጅለ ንክቃለስ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
መንግሥቲ ፌዴራል እውን እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ክሳብ ሕዚ ንዝገበሮም ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳት ብትዕግስቲ፣ ዝተረጋዐን ሰላማውን ብዝኾነ መንገዲ ንምፍታሕ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ንኢዶም።
ይኹን እምበር እቲ ጉጅለ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ናብ ሓደገኛ ብርኪ ስለዝተሰጋገረ ህዝቢ ትግራይ ምድሓንን ሉኣላዊነት ሃገር ምኽባርን ዘኽእሉ ሕገ መንግስታውን ፖለቲካውን ስራሕቲ ክሰርሕ ኣለዎ ኢሎም።