ልምዓት ሩባን ወሰን ሩባን እንጦጦ-ቀበና ንወለዶ ዝሰጋገር ናይ ልምዓት ኣሰርና እዩ — ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 22/2018 (ኢዜኣ)፦ ልምዓት ሩባን ወሰን ሩባን እንጦጦ-ቀበና ንወለዶ ዝሰጋገር ናይ ልምዓት ኣሰርና  እዩ ክብላ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ፕሮጀክት ልምዓት ሩባን ወሰን ሩባን እንጦጦ-ቀበና  ንዝተሳተፉ ኣካላት መርሃ ግብሪ ምስጋና ኣካይዱ።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ በዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ እቲ ፕሮጀክት ብዙሓት ዕንቅፋታትን ፈተናታትን ሓሊፉ ብፅሬትን ፅባቐን ተዛዚሙ ንምረቓ ብምብቅዑ ዝተሰምዐን ሓጎስ ገሊፀን።



እቲ ምምሕዳር ከተማ ዝጀመሮም ዓበይቲ ሜጋ ፕሮጀክትታት በተቐመጠሎም ግዜን ፅሬትን ዓብዪ ዓቕሚ ምዝዛም ከምዘለዎ ንምርኣይ እዚ ፕሮጀክት መረጋገፂ እዩ ክብላ ተዛሪበን።
እቲ ፕሮጀክት ብዓይነቱ ፍሉይ ዝበለን ስነ-ምህዳራዊ  ሚዛን እታ ከተማ ዝሓለወን ንወለዶ ዝሰጋገር ዓብዪ ውህብቶን ምዃኑ ብምግላፅ፣ ነበርቲ እውን ከባቢኦም ብጥንቃቐ ክሕልዉ ኣገንዚበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም