ኢትዮጵያን ጣልያንን ስምምዕነት ልቓሕ 70 ሚሊዮን ዩሮ ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 22/2018 (ኢዜኣ): - ኢትዮጵያን ጣልያንን ኣብ ነዊሕ እዋን ዝኽፈል ስምምዕነት ልቓሕ 70 ሚሊዮን ዩሮ ዝተፈራረማ ኮይነን፤ ንመፈፀሚ ሃገር በቆል መማሓየሺ ኢኮኖሚን ስራሕቲ ልምዓትን ዝውዕል ምዃኑ ሚኒስትር ገንዘብ አሕመድ ሽዴ ገሊፆም።

እቲ ስምምዕነት ልቓሕ ሚኒስትር ገንዘብ አሕመድ ሽዴን ኣምባሳደር ጣልያን ኣብ ኢትዮጵያ ሴም ፋብሪዝን ተፈራሪሞምዎ።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣቶ አሕመድ ሽዴ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ እዚ ስምምዕነት ልቓሕ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ድልዱል ምሕዝነት ዘርእን ናይ ነዊሕ እዋን ታሪኻዊ ርክበን ብዝበለፀ ዘጠናኽርን እዩ።

እቲ ስምምዕ ኣካል እቲ ቅድም ክብል ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተበፅሑ ማዕቀፋት ምትሕብባር ምዃኑ ሓቢሮም፡፡

እቲ ሐገዝ ገንዘብ ኢትዮጵያ ዝጀመረቶም ስጉምትታት ሃገራዊ ምምሕያሽ ኢኮኖሚን ሸቶታት ልምዓት ንምዕዋት ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ኣረዲኦም።

ኢትዮጵያ ዝተማልአ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ተግበራዊ ብምግባር ነቲ ካልኣይ ምዕራፍ ብዓወት ከምዘጠቓለለት ገሊፆም።

ነዙይ ስዒቡ ድማ ባንኪ ዓለም ንትግበራ ሪፎርም ሳልሳይ ምዕራፍ ዝውዕል ሓገዝ ባጀት ከምዘፅደቐ ኣዘኻኺሮም።

መንግስቲ ጣልያን ንፃዕርታት ልምዓት ኢትዮጵያን ምምሕያሽ ኢኮኖሚን ንዝገብሮ ዘሎ ሓገዝ ገንዘብን ቀፃልነት ንዘለዎ ምሕዝነቱን ምስጋና ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም