ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ቻይናን ተጠናኺሩ ክቕፅል ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ - ኢዜአ ትግርኛ
ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ቻይናን ተጠናኺሩ ክቕፅል ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 22/2018 (ኢዜኣ)፦ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያን ቻይናን ተጠናኺሩ ንክቕፅል ብትኲረት ይስራሕ ከምዘሎ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ምዓርግ ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ደሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ውድብ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ገሊፆም።
ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ምዓርግ ሓላፊ ማእከል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ደሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ውድብ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኢትዮጵያ ቻይና በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ቼን ሃይ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም።
እቶም ኣምባሳደር ኣብዚ እዋን 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብዓወት ብምዝዛሙን ውድብ ብልፅግና ብምስዓሩን ፓርቲ ኮሚኒስት ቻይና ዘመሓላለፎ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣብፂሖም ።
እቲ ፓርቲ ኣብ መልእኽቱ ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ኢትዮጵያ ቀፃልነት ዘለዎ ሰላምን ምርግጋዕን፣ ሃገራዊ ሓድነትን ኩለመደያዊ ብልፅግናን እናተረጋገፀ ከምዝኸይድ ዘለዎ እምነት ገሊፁ።
ውፅኢት እቲ መረፃ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንውድብ ብልፅግና ዘለዎ ድገፍ ዘርኢ ምዃኑን ኣብ መፃኢ እውን እቲ ፓርቲ ህዝብታት ኢትዮጵያ ኣተሓባቢሩ ብመምራሕ ንኢትዮጵያ ናብ ኣብነታዊት ሃገር ናይ ምስግጋር ሸቶ ጋህዲ ከምዝገብሮ ጠቒሱ።
ፓርቲ ኮሚኒስት ቻይና ቅድም ክብል ዝተበፅሑ ስምምዕነታት ተግራዊ ንክኾኑ ምስርሑ ከምዝቕፅልን ንዕብየት ክልቲአን ሃገራት ብዝኾነ ይኹን ኩነታት ዘይናወፅ መሻርኽነት እናሃነፀ ከምዝኸይድ ኣረጋጊፁ።
ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብዚ እዋን እዚ ከምዝገለፅዎ፤ ውድብ ብልፅግና ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ቻይናን ዘሎ ርክብ መንግስታትን ህዝቢ ንህዝቢን ከምኡ እውን ምስ ፓርቲ ኮሚኒስት ቻይና ዘሎ ምትሕብባር ተጠናኺሩ ንክቕጽል በትኲረት እናሰርሐ ይርከብ፡፡
ክልቲኦም ፓርቲታት ሃገር በቆል ብዝኾኑ ሓሳባት እናተመርሑ መፍትሒታት ብምፍላቕ ውፅኢት ከምዘመዝገቡ ብምግላፅ፤ ኣብ ብዙሓት ጉዳያት ተሓባቢርካ ካብ ምስራሕ ሓሊፉ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ንዝግበር ዘሎ ኩሉመደያዊ ድገፍ ዘለዎም ምስጋና ኣቕሪቦም።
ኣምባሳደር ቼን ሃይ ብወገኖም፤ ብመሪሕነት ውድብ ብልፅግና ብኣምር መደመር ኣብ ኢትዮጵያ ንዝምዝገቡ ዘለዉ ዓወታት ዘለዎም ኣድናቆት ገሊፆም።
ብዙሓት ቻይናውያን ሰብ ሃብቲ ብፍላይ ኣብ ዓውድታት ማዕድን፣ ኣገልግሎት፣ ፓርክታት ኢንዱስትሪ፣ ሰብ ስራሕ ብልሕን ኮንስትራክሽንን ኣብ ኢትዮጵያ ወፈርቲ መዓላ ንዋዮም እናፍሰሱ ከም ዝኾኑ ገሊጾም፡፡
ኣብ መፃኢ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዝተረኸቡ ዓወታት ንምቕጻልን ብሓባር ንምስራሕን ኣብ መንጎ እቶም ፓርቲታት ዘሎ ርክብ ንምጥንኻር ተሰማሚዖም ኣለዉ።