ዕብየት ዓውዲ ብዝሃ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ተረባሕነት ዕድል ስራሕ ዜጋታት ብምስፋሕ ልዑል ጥቕሚ የርክብ ኣሎ - ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን - ኢዜአ ትግርኛ
ዕብየት ዓውዲ ብዝሃ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ተረባሕነት ዕድል ስራሕ ዜጋታት ብምስፋሕ ልዑል ጥቕሚ የርክብ ኣሎ - ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 22/2018 (ኢዜኣ)፦ ዕብየት ዓውዲ ብዝሃ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ተረባሕነት ዕድል ስራሕ ዜጋታት ብምስፋሕ ልዑል ጥቕሚ የርክብ ከምዘሎ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ገሊፁ።
ኣንፈት ልምዓት ብዙሕነት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውድታት ሕርሻ፣ ኢንዱስትሪ፣ ማዕድን፣ ቱሪዝምን ዲጂታልን ዕብየት ሃገር ዘቀላጥፍ ዓቕሚ እናፈጠረ ይርከብ፡።
መፍረያይነት ብምምሕያሽ፣ ንግድን ኢንቨስትመንትን ብምትብባዕ ንኩለመደያዊ ተረባሕነት ዜጋታት ኣኽኣላይ ኩነታት ፈጢሩ እዩ።
ብምኽንያት ሃገር ቦቆል ሪፎርም ኢኮኖሚ ኣብ ከተማታትን ገፀርን ዝተፈጠረ ልዑል ምንቕቓሕ ኢኮኖሚ ፤ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ብዙሓት ዜጋታት ተረባሕቲ ዕድል ስራሕ ንክኾኑ ይገብር ኣሎ።
ሚኒስትር ድኤታ ስራሕን ክእለትን ሰለሞን ሶካ ከምዝበልዎ፤ ሃገር በቆል ሪፎርም ኢኮኖሚ ቅድሚ ሃገራዊ ለውጢ ዝነበረ ሕርሻ መሪሕ ዝገበረ ስርዓት ኢኮኖሚ ናብ ብዝሃ ዓውድታት ንምስግጋር ኣኽኢሉ እዩ።
እዙይ ድማ ኣማራፂታት ልምዓት ኢትዮጵያ ብምስፋሕን መፍረያይነት እቶም ዓውድታት ብምዕባይ ዕብየት ኢኮኖሚን ተወዳዳሪነትን ዘመሓይሽ ዓቕሚ ንክፍጠር ይገብር ከምዘሎ ገሊፆም።
ብስርዓት ብዝሃ ኢኮኖሚ ኣብ ሕርሻ፣ ኢንዱስትሪ፣ ማዕድን፣ ቱሪዝምን ኣይ.ሲ.ቲ. ዝተመዝገበ ዓብይቲ ውፅኢት፤ ተረባሕነት ዕድል ስራሕ ዜጋታት ብምስፋሕ ልዑል ጥቕሚ ይርክብ ከምዘሎ ተዛሪቦም።
በቲ ካልእ ገፅ ዓበይቲ ሃገራዊ ፕሮጀክታትልምዓት ዕድል ስራሕ ዜጋታት ብምስፋሕ፤ ኢትዮጵያ ኣፍሪካዊት ኣብነት ብልፅግና ንምግባር ዝተታሕዘ ራእይ ንምስኻዕን መሰረት የንፅፉ ከምዘለዉ ኣረዲኦም።
ኮሪደር ከተማታት ፣ ቱሪዝምን ሃገራዊ ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪን ምስግጋር ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ብምቅልጣፍ ተጠቃሚነት ዕድል ስራሕ ሚሊዮናት ዜጋታት እናረጋገጹ ከም ዝኾኑ ተዛሪቦም።
ኣብ መጻኢ እውን ተጠቃሚነት ዕድል ስራሕ ዜጋታት ብምስፋሕ ምስ ኣማራፂታ ዓውድታት ብዝሃ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብምትእስሳር በትኲረት ከምዝስራሕ ኣረጋጊፆም።
ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት እ16 ሚሊዮን ዜጋታት ኣብ ውሽጢ ሃገር፣ ከምኡ እውን 3 ነጥቢ 5 ሚሊዮን ዜጋታት ድማ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ተረባሕቲ ዕድል ስራሕ ንምግባር ትልሚ ተታሒዙ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።