ኢትዮጵያ ማእኸል ስፖርት ኣፍሪካን ዓለምን ዝገብሩ ህንፀት መሰረተ ልምዓታት ተጠናኺሮም ይቕፅሉ ኣለዉ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ማእኸል ስፖርት ኣፍሪካን ዓለምን ዝገብሩ ህንፀት መሰረተ ልምዓታት ተጠናኺሮም ይቕፅሉ ኣለዉ
ዲስ ኣበባ፤ ሰነ 22/2018 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ማእኸል ስፖርት ኣፍሪካን ዓለምን ምግባር ዘኽእሉ ስራሕቲ ዲፕሎማስን መሰረተ ልምዓትን እናተሳለጡ ምዃኖም ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ኣፍሊጡ።
ሚኒስትር ዴኤታ ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር መኪዩ መሓመድ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ድሕሪ ለውጢ ንልምዓት ዓውዲ ስፖርት ብዝተውሃበ ትኹረት ኩለመዳያዊ ለውጢ ምምዝጋብ ኣኽኢሉ እዩ።
ኣብ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን መድረኻት ውክልና ኢትዮጵያ ብምዕባይ ምስሊ ኢትዮጵያ ንምህናፅን ዲፕሎማሲ ስፖርት ንምጥንኻርን እናተሰርሐ እዩ ኢሎም።
በዙይ ድማ 14 ኣመራርሓታት ሃገር ለኸ ማሕራት ስፖርት ብብርኪ ኣህጉሩን ዓለምን ኣመራርሓ ኮይኖም የገልግሉ ከምዘለዉን እቲ ተግባር ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያውያን ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ውድድር ስፖርት ዘለዎም ተሳትፎን ውፅኢታውነትን እናዓበየ ምዃኑ እውን ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ኣህጉራውያንን ዓለም ለኻውያንን ስፖርታዊ ፍፃመታት ተተኣናግድ ከምዘላ ብምጥቃስ፣ እዙይ ድማ ምስሊ እታ ሃገር ንምህናፅ ልዑል ተራ ከምዘለዎ ገሊፆም።
ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ፍፃመታት ኣፍሪካን ዓለምን ብምግባር ኢትዮጵያ ካብቲ ዓውዲ ብዝበለፀ ተረባሒት ንምግባር ብትኹረት እናተሰርሐ ምዃኑ ተዛሪቦም።
ነዙይ ድማ ስራሕቲ ምስፍሕፋሕ ደረጃኦም ዝሓለዉ መሰረተ ልምዓት ስፖርት እናተሳለጡ ምዃኖም ብምልዓል፣ ሓሙሽተ ዓበይቲ ስታዲየማት ዓለም ለኸ ረቛሒታት ንኸማልኡ እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም።