ህዝቢ ኣብ መረፃ ዝሃበና ድምፂ ዝጀመርናዮ ጉዕዞ ብልፅግና ዘቀላጥፍን ዕብየት እታ ከተማ ንምቕፃል ተወሳኺ ጉልበትን ዝፈጥርን እዩ - ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 22/2018 (ኢዜኣ) ህዝቢ ኣብ መረፃ ዝሃበና ድምፂ ዝጀመርናዮ ጉዕዞ ብልፅግና ዘቀላጥፍን ዕብየት እታ ከተማ ንምቕፃል ተወሳኺ ጉልበት ዝፈጥርን እዩ ክብላ ከንቲባ ምሕደራ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

ምምሕደር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ ብዝምለከት ንነባቲ እታ ከተማ መርሃ-ግብሪ ምስጋና ኣካይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ምስጋና ላዕለዎት ኣመራርሓ እታ ከተማ፣ ኣቦታት ሃይማኖት ዓበይቲ ዓዲ፣ መናእሰይን ፃውዒት ዝተገብረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ኣብቲ መድረኽ መደረ ዝገበራ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፤ ኣብታ መዲና መበል ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ ደሞክራሲያውን ዕውትን ብዝኾነ መገዲ ንክዛዘም ነበርቲ እታ ከተማ ዘርኣይዎ ልዑል ፅንዓትን ቆራፅነትን ዘኹርዕን ዘመስግንን ምዃኑ ገሊፀን።


 

ካብ ቅድመ መረፃ ጀሚሩ ክሳብ ከይዲ ምሃብ ድምፂ ነበርቲ ዘርኣይዎ ኣስደማሚ ተሳትፎ ደሞክራሲ ታሪኻዊ ከምዝነበረ እውን ኣገንዚበን።

ኣብቲ መረፃ ውድብ ብልፅግና ዝረኸቦ ውፅኢት ኣብታ ከተማ ዝተጀመረ ጉዕዞ ልምዓትን ብልጽግናን ብዝበለፀ ንምቕፃል ተወሳኺ ዓቕምን ምንቕቓሕን ዝህብ ምዃኑ ኣረዲአን።

ምምሕደር እታ ከተማ ቀትርን ለይትን ብተኣማንነትን ብቕንዕናን ብምግልጋል፣ ኣዲስ ኣበባ ንነባርታ ምችውቲ፣ ምልኽዕትን ስሓቢትን ናይ ምግባር ተግባሩ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ኣረጋጊፀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም