እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብቲ ረቂቕ ባጀት ካብ ምዝታይ ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ኣዋጃት ከፅድቕ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 22/2018 (ኢዜአ) ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ መበል 29 ስሩዕ ኣኼብኡ ፅባሕ ከካይድ እዩ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ረቒቕ በጀት መንግስቲ ፌደራል በጀት ዓመት 2019 . ብዝርዝር ከምዝዝቲ ገሊፁ ኣሎ።

ብተወሳኺ እቲ ቤት ምኽሪ ሰለስተ ረቂቕ ኣዋጃት ማለት እውን ረቂቕ ኣዋጅ ምምሕያሽ ምሕደራ ታክስ ፌደራል፣ ረቂቕ ኣዋጅ ስታቲስቲክስ ኢትዮጵያን ረቂቕ ኣዋጅ ዕዳጋ ካርቦን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ፕላን፣ ባጀትን ፋይናንስን ዘቕርቦም ፀብፃባትን ውሳነ ሓሳባትን መርሚሩ ነቶም ኣዋጃት ከፅድቕ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም