ፋይዳ ዲጂታል መለለዪ መንነት ማሕበራውን ኮኖሚያውን ተረባሕነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ምርግጋፅ ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ የበርክት ኣሎ - ኢዜአ ትግርኛ
ፋይዳ ዲጂታል መለለዪ መንነት ማሕበራውን ኮኖሚያውን ተረባሕነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ምርግጋፅ ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ የበርክት ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 22/2018 (ኢዜኣ): - ፋይዳ ዲጂታል መለለዪ መንነት ማሕበራውን ኮኖሚያውን ተረባሕነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ምርግጋፅ ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ የበርክት ከምዘሎ ሚኒስቴር ደቂ-ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ገሊፁ።
ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ 30 ሰነ 2018 ዓ.ም በጀት ዓመት ቁፅሪ ተረባሕቲ መለለዪ መንነት ፋይዳ 90 ሚሊዮን ንምብፃሕ ሸቶ ከምዝተቀመጠ ዝፍለጥ እዩ፡።
ብሄራዊ ፕሮግራም መለለዪ መንነት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ምስ ሚኒስቴር ደቂ-ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ብምትሕብባር” ፋይዳ ንደቂ-ኣንስትዮ” ብዝብል መጀመሪ መርሃ-ግብሪ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኣካይዱ።
ሚኒስትር ዴኤታ ሂክማ ከይረዲን ንኢዜአ ከምዝበላኦ፤ ተረባሕነት ዲጂታል መለለዪ መንነት ደቂ-ኣንስትዮ ንምዕባይ፣ ዋንነትን ተበፃሕነትን ፋይዳ ዲጂታል መለለዪ መንነት ብሰፊሑ ይስራሓሉ ኣሎ።
ምስ ብሄራዊ ፕሮግራም መለለዪ መንነትን መዳርግቲ ኣካላትን ብምትሕብባር እውን ኣብ መላእ ሃገር ደቂ-ኣንስትዮ ሰብ ዋና ፋይዳ ዲጂታል መለለዪ መንነት ክኾና ይግበር ከምዘሎ ገሊፀን።