ሕልምታትና ክሳብ ዝዕወቱ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/ 21/2018 (ኢዜኣ)፡-ብኹሉ መዳይ ተሊምና እንሰርሖም ሕልምታትና ክሳብ ዝዕወቱ ኣበርቲዒና ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኸቲ፤ ሓምለዋይ ኣሰር ካብ ሓሳብ ክሳብ ተግባር ኢትዮጵያ ዝተገለፀትሉ ድሙቕ ብሔራዊ ሕብሪ እዩ ኢሎም ።



ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ካብቲ ንሪኦ ተደጋጋሚ ትልሚ ኮንፈረንስ ብተወሳኺ ሓመድ ሒዝካ ጭቃ ረጊፅካ ብትግሃት ብምስራሕ ዝመፅእ ውፅኢት ትግሃት ከም ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሓሳብ ካብ ምምንጫው ጀሚሮም ክሳብ ትግበራ ብምምራሕን ብምስራሕን ግንባር ቀደም ኮይኖም ኣርእዮምና እዮም ክብሉ ሓቢሮም።
“ተስፋ ንትከል” ክብሉ እውን ሕብረተሰብ ኣብ ምትካል ፈልሲ ብንቐሓት ንክሳተፍ መልእኸቲ ኣመሓላሊፎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም