ሱር ዝሰደደ ቅልውላው ኤርትራ ካብ ሱሩ ንምምሓው ህዝቢ ኤርትራ ኣንፃር ስርዓት ኤርትራ ክስልፍን ቃልሱ ከሐይልን ውድብ ሓምለዋይ ሰውራ ፃውዒት ኣቐሪቡ - ኢዜአ ትግርኛ
ሱር ዝሰደደ ቅልውላው ኤርትራ ካብ ሱሩ ንምምሓው ህዝቢ ኤርትራ ኣንፃር ስርዓት ኤርትራ ክስልፍን ቃልሱ ከሐይልን ውድብ ሓምለዋይ ሰውራ ፃውዒት ኣቐሪቡ
ኣዲስ ኣበባ /ሰነ/20/2018/ኢዜኣ/፡- ሱር ዝሰደደ ቅልውላው ኤርትራ ካብ ሱሩ ንምምሓው ህዝቢ ኤርትራ ኣንፃር ስርዓት ኤርትራ ክስልፍን ቃልሱ ከሕይልን ኣቦ መንበር ውድብ ሓምለዋይ ሰውራ መሐመድ ኣሕመድ ኣስናይ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡
እቶም ኣቦ መንበር ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ውድብ "ሓምለዋይ ሰውራ" ምኽንያት ሱር ዝሰደደ ቅልውላው ኤርትራ ብዕምቆት ካብ ምርዳእ ዝብገስ ምዃኑን፤ ኣብ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ክውንነታት ኤርትራ ኩለመደያዊ ለውጢ ንምምፃእ ዝዓለመ ምዃኑን ኣመላኺቶም ።
"ሓምለዋይ ሰውራ" ዝብል ስያሜ ምስ ህይወትን ተስፋን መናእሰይ ዝተኣሳሰረ ምሳልያዊ ትርጉም ዘለዎ ምዃኑ ዝሓበሩ ኣይተ መሐመድ ኣሕመድ ኣስናይ ፤ እቲ ምንቕስቓስ ኣብ ፍትሒ ዝተመስረተ ታሪኻዊ ምዝብዓት ዝገተአን ሓድሽ መፃኢ ዕድል ንምህናፅ ዘለዎ ባህጊ ዘንፀባርቕ እዩ ኢሎም።
እቶም ኣቦ መንበር መሳርሒታት ለውጢ እንትዛረቡ ፤ ናቶም ፕሮጀክት ፍሉይ ዝገብሮ ፖለቲካዊ ራእይን ተግባራት በረኻን ዘጣመረ ምዃኑ ብምግላፅ፣ ውድባዊን ወተሃደራዊን ድሉውነቶም ዘረጋገፀ ምኹኑ እዩ ኢሎም ።
ኣስዒቦም "ንሕና ኣብ መወዳእታ መስመር ዘለና ወተሃደራት ኢና፤ ባህሪ ናይዚ ስርዓት እዚ ኣፀቢቕና ንፈልጦ ኢና። እዚ ስርዓት እዚ ብስምምዕን ብዲፕሎማሲን ዘይኣምን፣ ቋንቋ መሳርሒኲናት ጥራሕ ዝርዳእ ኣተሓሳስባ ዘለዎ እዩ"ክብሉ ኣገንዚቦም ።
እቲ ምንቕስቓስ ህወከት ከምዘይደሊ ነገር ግን ባህርይ እቲ ቃልሲ እቲ ኻልእ ወገን ብዝርድኦ መንገዲ ክትጥቀም ከምዘገድድ ኣረዲኦም።
ብተወሳኺ እቲ ምንቕስቓስ ንኹሎም ክፍልታት ማሕበረሰብ ኤርትራ ኣብ ሓደ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ማዕቀፍ ውሽጢ ንምውካል ዘኽእል ባዕሉ ዝኸኣለን ዝተወደበን ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ወተሃደራዊን መሓውር ንምህናፅ ይሰርሕ ከምዘሎ ምንቅስቓስ ሓምለዋይ ሰውራ ኤርትራ ኣቦ መንበር መሐመድ አሕመድ አስናይገሊፆም መሓውራዊ ምዝባዓት ኣብ ዘዕሪ ሃገራዊ ምርድዳእ ምብፃሕ ናይቲ ምንቕስቓስ ቀንዲ ሸቶ ምዃኑ እውን አስሚሮምሉ ።
ኣብ ሞንጎ ኢትዮጲያን ኤርትራን ክልቲአን ሃገራትን ዘሎ ታሪኻዊ፣ ጂኦግራፊያዊ፣ ባህላዊን ማሕበራዊን ምትእስሳር ክሕለፍ ዘይኽእል መሰረት ምዃኑን እቲ ዝድለ ለውጢ ምስ መፀ ኣብ ሓባራዊ ጥቕምታት ዝተመስረተ ሓድሽ ምዕራፍ ምትሕብባርን ዞባዊ ውህደትን ምህናፅ ከምዝከኣል ኣመልኪቶም።
“ፅምዶ” ዝተሰመየ ጥምረት ሻዕብያን ነበር ጉጅለ ሕወሕትን ምህላዉ ዘመልክቱ እቶም ኣቦ መንበር እዚ ጥምረት ምርግጋዕ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ንምድኻምን ዞባዊ ፀጥታ ንምፍራስን ዝዓለመ ከምዝኾነ ዝንገረሉ ኮይኑ፤ እቲ ተግባር ኣብ ልዕሊ ሚዛን ዞባዊ ፀጥታ ኣሉታዊ ፀልዋ ከምዘለዎ ፀሪሖም ።ምንቅስቓስ ሓምለዋይ ሰውራ ኤርትራ ኣቦ መንበር መሐመድ አሕመድ አስናይ።