ተመረቕቲ ንሰላምን ሓድነትን ኢትዮጵያ ኣምባሳደራት ብምዃን ዝለዓለ እጃሞም ክዋፅኡ ይግባእ - መሓመድ እድሪስ - ኢዜአ ትግርኛ
ተመረቕቲ ንሰላምን ሓድነትን ኢትዮጵያ ኣምባሳደራት ብምዃን ዝለዓለ እጃሞም ክዋፅኡ ይግባእ - መሓመድ እድሪስ
ወላይታ ሶዶ፤ ሰነ 20/2018 (ኢዜኣ)፦ ተመረቕቲ ንሰላምን ሓድነትን ኢትዮጵያ ኣምባሳደራት ብምዃን ዝለዓለ እጃሞም ክዋፅኡ ከም ዝግባእ ሚኒስትር ሰላም መሓመድ እድሪስ ገሊፆም።
ዩኒቨርሲቲ ወላይታ ሶዶ ብዝተፈላለዩ ዓውድታታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም 1 ሽሕን 37ን ተምሃሮ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ሚኒስትር ሰላምን ኣቦ መንበር ቦርድ ስራሕ ኣመራርሓ እቲ ዩኒቨርሲቲን መሓመድ እድሪስ፤ ተመረቕቲ ናብ ከባቢኦም ምስ ተመለሱ ኣምባሳደራት ሰላም፣ ሓድነትን ፍቕርን ክኾኑ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።
ተመረቕቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ብዝቐሰምዎ ፍልጠትንን ክእለትን ተስፋ ፅባሕ ኢትዮጵያ ብምልምላም፣ ብልፅግና እታ ሃገር ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እጃሞም ከበርክቱ ከምዝግባእ ገሊፆም።
ካብዚ ብተወሳኺ ርእሶምን ሃገሮምን ንምጥቃም ብመንፈስ ስራሕ ፈጣሪነት ክንቀሳቐሱ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም።
እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ምምሃር ምስትምሃር፣ ምርምር፣ ኣገልግሎት ማሕበረሰብን ዓውዲ ቴክኖሎጂን ዝሓሸ ውፅኢት እናመዝገበ ከም ዝኾነ ብምጥቃስ፤ ብፍልጠት፣ ክእለትን ሰናይ ስነ-ምግባርን ዝተሃነፁ ተምሃሮ ንምፍራይ በትኹረት ምስራሕ ክቕፅል እዩ ኢሎም፡፡
ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ወላይታ ሶዶ ጉቼ ጉሌ (ዶ/ር) ብወገኖም፤ እቲ ዩኒቨርሲቲ ናይ ፅባሕ ሃገር ተረከብቲ ዜጋታት ንምፍራይ ኣብ ዝገበሮ ፃዕሪ ውፅኢት ይምዝገብ ከምዘሎ ገሊፆም።
እቲ ዩኒቨርሲቲ ብዝተፈላለዩ ዓውድታት ፀገም ፈታሕቲ ምርምራት ብምግባር፣ ኣገልግሎት ማሕበረሰብ ብምስፋሕን ተምሃሮ ፈጠርቲ ስራሕ ንክኾኑ ስልጠናታት ብምሃብን ዜጋታት ተረባሕቲ ንምግባር ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።
እቶም ተመረቕቲ ዝረኸብዎ ፍልጠት ናብ ተግባር ብምቕያር ዘምሃሮም ማሕበረሰብን ሃገሮምን ብተኣማንነትን ቅንዕናን ከገልግሉ ኣተሓሳሲቦም።