ተመራቕቲ ዝረኸብዎ ፍልጠትን ክእለትን ንዕብየት ሃገርን ንተረባሕነት ዜጋታትን ንምውዓል ድሉዋት ክኾኑ ይግባእ - ኣፈ-ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር

ጂንካ፤ ሰነ 20/2018 (ኢዜኣ) ተመራቕቲ ዩኒቨርሲቲ ዝረኸብዎ ፍልጠትን ክእለትን ንዕብየት ሃገርን ንተረባሕነት ዜጋታትን ንምውዓል ድሉዋት ክኾኑ ከም ዝግባእ ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ኣቦ ወንበር ቦርድ ስራሕ ኣመራርሓ ዩኒቨርሲቲ ጅንካን ኣገኘሁ ተሻገር ተዛሪቦም።

ጅንካ ዩኒቨርሲቲ ብተፈላለዩ ዓውድታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም ተምሃሮ ቀዳማይ፣ ካልኣይን ክተሬት ዲግሪን ኣመሪቑ ኣሎ።

ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ኣቦ ወንበር ቦርድ ስራሕ ኣመራርሓ ዩኒቨርሲቲ ጅንካን ኣገኘሁ ተሻገር፤ ኢትዮጵያ ዝወጠነቶም ዘርፈ ብዙሕ ትልምታት ንምዕዋት ብፍልጠትን ክእለትን ዝማዕበለ ከምኡ እውን ንሓደሽቲ ፈጠራታት ዝተዳለወ ሓይሊ ሰብ የድልያ እዩ ኢሎም።


 

ኣብዚ መዳይ ካብ ዩኒቨርሲቲ ተመሪቖም ዝወፅኡ መንእሰያት ዓብዪ ዓቕሚ ምዃኖም ብምልዓል፤ ተመራቕቲ ዝረኸብዎ ፍልጠትን ክእለትን ንዕብየት ሃገርን ንተረባሕነት ዜጋታትን ንምውዓል ድሉዋት ክኾኑ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም።

ኣብ 2030 ዲጂታል ኢትዮጵያ ንምህናፅ ዝተወጠነ ሃገራዊ ራእይ ንምዕዋት መሪሕ ተዋናእቲ ክኾኑ ከም ዝግባእ ብምግላፅ፣ ንዕብየት ሃገርን ንተረባሕነት ዜጋታትን ክተግሁ ምኽሮም ለጊሶም።

ዝተምሃሩ መንእሰያት ቀንዲ ተዋሳእቲ ከይዲ ህንፀት ሃገር ብምዃኖም፣ ኩሉ ግዜ ህይወት ፍልስፍናኦምን መምርሒኦምን ስምዒት ዘይኮነስ ስሌትን ብስለትን ክኸውን ይግባእ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም