ተመራቕቲ ዲጂታል ጉዕዞ ኢትዮጵያ ንምቅልጣፍ ፍልጠቶም ናብ ፈጠራ ከሰጋግሩ ኣለዎም

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 20/2018 (ኢዜኣ) ተመራቕቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ዲጂታል ጉዕዞ ኢትዮጵያ ንምቅልጣፍ ፍልጠቶም ናብ ፈጠራ ከሰጋግሩ ከም ዝግባእ ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር መርበብ ድሕንነት ሓበሬታ ትግስት ሃሚድን ኣዶ ወንበር ቦርድ ዩኒቨርሲት ሳይንስን ቴክኖሎጂ ኣዲስ ኣበባን ትዕግስት ሀሚድ ገሊጸን።

ዩኒቨርሲት ሳይንስን ቴክኖሎጂ ኣዲስ ኣበባ ብቕድመ-ምረቓ፣ ድሕረ-ምረቓን ብሳልሳይ ዲግሪን ብስሩዕን ተኸታታሊን ፕሮግራማት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም 1 ሽሕን 246 ተምሃሮ ኣመሪቑ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ መራሕቲ እቲ ዩኒቨርሲቲ፣ ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ስድራቤት ተመራቕትን ተረኺቦም እዮም።

ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር መርበብ ድሕንነት ሓበሬታ ትግስት ሃሚድን ኣዶ ወንበር ቦርድ ዩኒቨርሲት ሳይንስን ቴክኖሎጂ ኣዲስ ኣበባን ትዕግስት ሀሚድ ንተመራቕቲ  መልእኽቲ  እንቋዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፈን።

ዲጂታል ጉዕዞ  ኢትዮጵያ ኣብ ሸትኡ ንምብፃሕ ሰብ ሞያ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ምፍራይ የድሊ እዩ ኢለን።

እታ ሃገር ሐዚ ካብ ዘላትሉ ብርኪ ኢኮኖምን ቴክኖሎጂን ልዕል ንምባል ግደ ተመራቕቲ  ሳይንስን ቴክኖሎጂን ወሳኒ ምዃኑ ተዛሪበን።

ተመረቕቲ ተምሃሮ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ዝረኸብዎ ፍልጠት ናብ ፈጠራን ናብ ዓቕሚ መፍረያይነት ኢንዱስትሪ ንክቕይሩ ብምግንዛብ ሃገሮም ብቕንዕና ከገልግሉ ፃውዒት ኣቕሪበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም