ተመራቕቲ ጉዕዞ ሪፎርም ኢትዮጵያ ብዝበለፀ ንምዕዋትን ሃገራዊ ብልጥግና ንምርግጋፅን ዘለዎም ዓብዪ ሓላፍነት ክዋፅኡ ይግባእ - ኢዜአ ትግርኛ
ተመራቕቲ ጉዕዞ ሪፎርም ኢትዮጵያ ብዝበለፀ ንምዕዋትን ሃገራዊ ብልጥግና ንምርግጋፅን ዘለዎም ዓብዪ ሓላፍነት ክዋፅኡ ይግባእ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 20/2018 (ኢዜኣ)፦ ተመራቕቲ ጉዕዞ ሪፎርም ኢትዮጵያ ብዝበለፀ ንምዕዋትን ሃገራዊ ብልጥግና ንምርግጋፅን ዘለዎም ዓብዪ ሓላፍነት ክዋፅኡ ከም ዝግባእ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስ ፌዴራል መኩሪያ ሃይሌ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ዩኒቨርሲቲ ፐብሊክ ሰርቪስ ኢትዮጵያ ኣብ 2018 ዓ.ም ብስሩዕን ተኸታታሊን መርሃ-ግብርታት ትምህርቲ ብቐዳማይ፣ ብካልኣይን ብሳልሳይን ዲግሪ ዘሰልጠኖም ተምሃሮ ሎሚ መዓልቲ ብድምቀት ኣመሪቑ።
ኣብቲ መርሃ-ግብሪ ምረቓ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስ ፌዴራል መኩሪያ ሃይሌ (ዶ/ር) ፣ ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ንጉስ ታደሰ (ዶ/ር) ፣ ኣባላት ቦርድን ሴኔትን፣ ተመራቕትን ከምኡ እውን ስድራቤት ተመራቕትን ተረኺቦም እዮም።
ኮሚሽነር ኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስ ፌዴራል መኩሪያ ሃይሌ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን ዓብዪ ትካላዊ ሪፎርም ትገብር ከምዘላ ገሊፆም።
መንግስቲ ኣገልግሎት ንምዝማንን ንዜጋታት ዝተቐልጠፈ ኣሰራርሓ ንምዝርጋሕን ብዘመናዊ ቴክኖሎጂ ዝተደገፉ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ የሳልጥ ከምዘሎ እውን ሓቢሮም።
ህንፀት ሃገር ብብቑዕ ሓይሊ ሰብ ዝረጋገፅ ብምዃኑ ተመራቕቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ጉዕዞ ሪፎርም ንምዕዋትን ሃገራዊ ብልፅግና ንምርግጋፅን ዓብዪ ሓላፍነት ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቦም።
ስለዝኾነ ተመራቕቲ ብተኣማንነት ሃገሮም ከገልግሉ ከምዘለዎም ብምግላፅ፤ እቲ ዩኒቨርሲቲ ንእዋኑ ዝምጥን ዝሰልጠነን ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ብምፍራይ መዳይ ማእኸል ልህቐት ኮይኑ የገልግል ከምዘሎ ተዛሪቦም።
ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ፐብሊክ ሰርቪስ ኢትዮጵያ ንጉስ ታደሰ (ዶ/ር) ብወገኖም ፤ እቲ ዩኒቨርሲቲ ብሓፈሻ 1 ሽሕን 363 ኣወዳትን 454 ኣዋልድን ብድምር 1 ሽሕን 817 ተምሃሮ ብቐዳማይ፣ ብካልኣይን ብሳልሳይን ዲግሪ ከምዘመረቐ ጠቒሶም።
እቲ ትካል ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ፣ ብሓፀርቲ ስልጠናታት፣ ብመፅናዕትን ምርምርን ከምኡ እውን ብዓውድታት ኣገልግሎት ማሕበረሰብ ትካላዊ ዓቕሚ ፐብሊክ ሴክተር ኢትዮጵያ ንምዕባይ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም።
ብዝተገበረ ሃገራዊ መፅናዕቲ ካብ ዝተሳለጡ ተግባራት ውሽጢ ዝለዓለ ትካላዊ፣ ኣካዳሚያዊን ምምሕዳራዊን ሪፎርማት ኣብ ተግባር ይውዕሉ ከምዘለዉ ኣፍሊጦም።