ተመራቕቲ ንህዝቦምን ሃገሮምን ናይ ምግልጋል ሓላፍነቶም ብፍቕሪ ሃገርን ብተኣማንነትን ክዋፅኡ ይግባእ - ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 20/2018 (ኢዜኣ) ተመራቕቲ ኣብ ዝተዋፈሩሉ ዓውዲ ስራሕ ብፍቕሪ ሃገርን ብተኣማንነትን ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ሚኒስትር ትምህርትን ቻንስለር ዩኒቨርሲት ኣዲስ ኣበባን ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ገሊፆም።

ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣካዳሚያዊን ምምሕዳራዊን ነጻነት ንክህልዎም ዝተጀመረ ስራሕ ጭቡጥ ለውጢ የምፅእ ከምዘሎ እውን ገሊፆም።

ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ንመበል 76 ዙር ብቐዳማይ፣ ብካልኣይን ብሳልሳይን ዲግሪ ከምኡ እውን ብካልኦት መርሃ-ግብርታት ዘምሃሮም 6 ሽሕን 417 ተምሃሮ ኣመሪቑ ኣሎ።

ሚኒስተር ትምህርትን ቻንስለር እቲ ዩኒቨርሲትን ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እንቋዕ ደስ በለኩም ናይ ሎሚ ተመራቕቲ በቲ ሓዱሽ ሪፎርም ትምህርቲ ዝተመረቑ ናይ መጀመርታ ተምሃሮ ምዃኖም ጠቒሶም።

እዚ እውን ኣብ ታሪኽ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝተበሰረሉ ዕለት ምዃኑ ብምግላፅ፤ ተመራቕቲ ንዕብየት ሃገሮምን ንህዝቦምን ናይ ባዕሎም ኣስተዋፅኦ ዘበርክቱሉ እኹል ፍልጠት ከምዝዓጠቁ ምሉእ ተስፋ ከምዘለዎም ወሲኾም ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝነበሩ ስርዓታት ፖለቲካ ቤተ-ትምህርትታት ማእኸል ርእዮተ-ዓለምን ፖለቲካዊ ቁጽፅርን ምግባሮም እቶም ትካላት ብነፃነት ከይሓስቡ፣ ከየምህሩን መሰረታዊ እታወታት ከይማልኡሎምን ከምዝገበረ ገሊፆም።

ብተወሳኺ መሰረት ትምህርቲ ኣብ ዝኾነ መባእታዊ ትምህርት ህፃናት ፍትሓውነት ብዘይምንባሩ ኣብ ሞንጎ እኹል ቀረብ ኣብ ዘለዎም ኣብያተ-ትምህርትን ውልቀን መሰረታዊ ቀረብ ኣብ ዝሰኣኑ ኣብያተ-ትምህርት መንግስቲን ሰፊሕ ክፍተትን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሰጋገር ፀገም ማዕርነት ዘይምህላው ከምዝፈጠረ ጠቒሶም።

ሳዓቤን ፅሬት ዘይብሉ ትምህርቲ ኣብ ማሕበረሰብ ምክፍፋል፣ ምድኻም ትካላት ብብልሽውናን ሓደገኛ ውልቃውነት ቅልውላው ዝተሰነየ ስነ-ምግባር ከምዘስዓበን እዚ ድማ እቲ ሓይሊ ሰብ ሓባራዊ ሓድነትን ሃገራዊ ስምዒትን ንክስእን ከምዝገበሮ ኣብራሪሆም።

እቲ መንግስቲ ለውጢ ነቶም ብዙሓት ፀገማት ንምፍታሕን ኣብ ዓለምለኸ ደረጃ ተወዳዳሪ ዝኾነ፣ ብሳይንስን ቴክኖሎጂን ዝተሃነፀ፣ ናይ ሞራልን ስነ-ምግባርን መሰረት ዘለዎ ወለዶ ንምፍጣር ሓያሎ ተስፋ ዝህቡ ተግባራት ሪፎርም ከም ዝተጀመሩ እውን ሓቢሮም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም