ዩኒቨርሲቲታት ሃዋሳ፣ ወላይታ ሶዶ፣ ወራቤን ዋቸሞን ተምሃሮ የመርቑ ኣለዉ - ኢዜአ ትግርኛ
ዩኒቨርሲቲታት ሃዋሳ፣ ወላይታ ሶዶ፣ ወራቤን ዋቸሞን ተምሃሮ የመርቑ ኣለዉ
ሃዋሳ፤ ሰነ 20/2018 (ኢዜኣ)፦ ዩኒቨርሲቲታት ሓዋሳ፣ ወላይታ ሶዶ፣ ወራቤን ዋቸሞን ተምሃሮኦም የመርቑ ኣለዉ።
ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ንመበል 27 ግዜ ብቐዳማይ፣ ብካልኣይን ሳልሳይን ዲግሪ ብስሩዕን ተኸታታሊን መርሃ-ግብሪ ትምህርቲ ዘሰልጠኖም ልዕሊ 3 ሽሕ ተምሃሮ እዩ የመርቕ ኣሎ።
ብተመሳሳሊ ዩኒቨርሲቲ ወላይታ ሶዶ ንመበል 20 ግዜ ዘሰልጠኖም ልዕሊ 2 ሽሕ ተምሃሮ እናመርቐ ይርከብ። እቲ ዩኒቨርሲቲ ዘመርቖም ዘሎ ተምሃሮ ብቐዳማይ፣ ብካልኣይን ሳልሳይን ዲግሪ ከምኡ እውን ብስፔሻሊቲ ዘሰልጠኖም እዩ።
ከምኡ እውን ዩኒቨርሲቲ ዋቸሞ ንመበል 17 ዙር ብስሩዕን ተኸታታሊን መርሃ-ግብሪ ትምህርቲ ዘሰልጠኖም ልዕሊ 1 ሽሕን 400ን ተምሃሮ መርቕ ኣሎ። ካብቶም ተመራቕቲ እቶም 45 ናይ ሳልሳይ ዲግሪ (PhD) ተመረቕቲ ሰብ ሞያ ሕክምና ክኾኑ ከለዉ፣ እቶም 15 ድማ ስፔሻላይዝድ ዝገበሩ ምዃኖም ተመልኪቱ ኣሎ።
ብተወሳኺ ዩኒቨርሲቲታት ወራቤ፣ ዲላ፣ ኣርባ ምንጭን ጂንካን እውን ተምሃሮኦም የመርቑ ኣለዉ።