ተመራቕቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ዝቐሰምዎ ፍልጠት ናብ ተግባር ብምቕያር ንምህናፅ ኢትዮጵያ ክተግሁ ኣለዎም

ጅማ፤ ሰነ 20/2018 (ኢዜኣ) ተመራቕቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ዘረኸብዎ ፍልጠት ናብ ተግባር ብምቕያር ንምህናፅ ኢትዮጵያ ክተግሁ ከምዝግባእ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን ኣለምፀሓይ ጳውሎስ ገሊፀን።

ዩኒቨርሲቲ ጅማ ብተፈላለዩ መርሃ-ግብርታት ዘሰልጠኖም 2 ሽሕን 973 ተምሃሮ ሎሚ መዓልቲ የመርቕ ኣሎ።

ኣብቲ ናይ ምረቓ መርሃ-ግብሪ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስጼርን ሚኒስጽር ጉዳያት ካቢኔን ከምኡ እውን ኣዶ ወንበር ቦርድ ስራሕ ኣመራርሓ ዩኒቨርሲቲ ጅማ ኣለምፀሓይ ጳውሎስ ከምዝበልኦ "ሎሚ ዝተመርቕኩም ተምሃሮ ክብርቲ ሃፍቲ ሃገርና ኢኹም" ኢለን።

ተመራቕቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ዘረኸብዎ ፍልጠት ተጠቒሞም ንምህናፅን ንምብልጻግን ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ንዕብየታ ናይ መፍትሒ ኣካል ክኾኑ ከምዘለዎም ገሊፀን።

ኣብ ኢትዮጵያ ገና ዘይተተንከፉ ዓቕምታት ልምዓት ከምዘለዉ ብምሕባር፤ ሓድነትና ብምጥንኻር ኣብ ልምዓት ክንረባረብ ኣለና ኢለን።


 

ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ጅማ ጀማል ኣባፊጣ (/) ንተመራቕቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ "ብፈተና ከይተሰናበድኩም ንዕንቅፋታት ሰጊርኩም ኣብዚ ብምብፃሕኩም እንቋዕ ሓጎሰኩም" ኢሎም።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ብርክት ዝበሉ ንማሕበረሰብ ዝጠቕሙ ስራሕቲ ከም ዝሰርሕ ብምጥቃስ፣ እዙይ ናይ ምቕጻል ናይ ኩሎም ኣካል እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝኾኑ ተምሃሮን ሰራሕተኛታትን ሓላፍነት ምዃኑ ወሲኾም ገሊፆም።

ዩኒቨርሲቲ ጅማ ዓቕሚ ተምሃሮ ምጥንኻርን ምርምራት ምክያድን ሓዊሱ ብዙሓት ዘፈር ስራሕቲ ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ብተወሳኺ እቲ ዩኒቨርሲቲ ርእሱ ዝኸኣለራስ-ገዝ ትካል ንምዃን ነቲ መስርሕ ዘማልኡ ስራሕቲ ብትግሃት ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ መጻኢ እውን ኣብ ዓውዲ ማሕበረሰብ ጸገም ፈታሕቲ ዝኾኑ ምርምራት ብምክያድ ዝርከቡ ዘለዉ ውጽኢታት ኣጠናኺሩ ክቕጽል እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም