ፋይዳ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት ብምስፋሕ ፈጠራ ማእኸል ዝገበሩ ዘመናዊ ትካላት ንምህናፅ ኣኽኢሉ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰኔ 20/2018 (ኢዜኣ)፦ ሃገራዊ ዲጂታል መለለዪ መንነት (ፋይዳ) ኣገልግሎት ዲጂታል ብምስፋሕ ፈጠራ ማእኸል ዝገበሩ ዘመናዊ ትካላት ንምፍጣር የኽእል ከምዘሎ ብሄራዊ ፕሮግራም መለለዪ መንነት ገሊፁ።
ኣብ ኢትዮጵያ መሰል መለለዪ መንነት ነበርቲ ንምረጋገፅ፣ ኣብ ሞንጎ ኣገልግሎት ወሃብትን ተቐበልትን ዘሎ እምነት ንምዕባይ፣ ኣብ መላእ ሃገር ግልፅነት፣ ተሓታትነትን ቅልጡፍ ኣሰራርሓን ንምፍጣር ዲጂታል መለለዪ መንነት ተግባራዊ ተገይሩ እዩ።
ብመሰረት እዙይ ዲጂታል መለለዪ ምንነት ኢትዮጵያ ብኣዋጅ ቁፅሪ 1284/2015 ተጣይሹ ናብ ስራሕ ብምእታው፣ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 46 ሚሊዮን ዜጋታት ተመዝጊቦም ዋናታት ዲጂታል መለለዪ መንነት ኮይኖም እዮም።
ዳይሬክተር ርክብን መዳርግቲ ኣካላትን ብሄራዊ ፕሮግራም መለለዪ መንነት ሳሚናስ ሰይፉ ንኢዜአ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብ መላእ ሃገር ብ12 ሽሕ ማሽናት ምዝገባ ብሄራዊ ዲጂታል መለለዪ መንነት ይካየድ ኣሎ።
እቲ ምዝገባ ብኢትዮ ቴሌኮም፣ ኢትዮ-ፖስታ፣ ብባንክታትን ብካልኦት መሻርኽቲ ትካላትን እናተሳለጠ፣ ተመዝገብቲ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ዝረኽቡሉ ኣሰራርሓ ከምዝተዘርግሐ እውን ገሊፆም።
በቲ ፕሮግራም ኣብ መዓልቲ ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ሓበሬታታት ይረጋገፁ ከምዘለዉን ክሳብ ሕዚ ዝተረጋገፀሎም ዓማዊል ቁፅሮም 104 ሚሊዮን ከምዝበፅሐን ገሊፆም።
ኣገልግሎት ብሄራዊ ዲጂታል መለለዩ መንነት ናይ ባዕልኻ መንነት መፈልለይን መእተዊ መገዲ ቁጠባን ምዃኑ ብምግላፅ፤ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብቐሊሉ ንምርካብ የኽእል ኢሎም።
ግደ ፋይዳ ምትላል ምውጋድ ጥራሕ ኣይኮነን ዝበሉ እቶም ዳይሬክተር፤ ፈጠራን ዘመናዊነትን ዝተላበሱ ትካላት ንምፍጣር ከምዘኽእል ገሊፆም።
ኣብ መንጎ ትካላት እምነት ንክፍጠር ይገብር ከምዘሎ ብምልዓል፤ ዲጂታል ኣገልግሎት መሶብ ሓደ ማእከል ብርክት ዝበሉ ኣገልግሎታት ኣብ ተመሳሳሊ ጊዜን ቦታን ምሃቡ ከም ኣብነት ጠቂሶም።
ካብዚ ብተወሳኺ ሃገር ንዜጋታታ ንፁር ትልሚ ብምውፃእ ግቡእ በጀት ንምምዳብ ተጨባጭ መረዳእታ ኮይኑ የገልግል እዩ ኢሎም።
ምስ ስርዓት ዲጂታል መለለዪ መንነት ፋይዳ ዝተኣሳሰሩ ትካላት 150 ከምዝበፅሑ ብምልዓል፤ ሸፈነ እቲ ምዝገባ ናብ ኩሎም ከባቢታት ገጠር ንምስፋሕ ተወሳኺ ዓበይቲ ወከላት ናብ ስራሕ ከምዝኣትዉ እውን ኣመላኺቶም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም