ስርዓት ኤርትራ ንምርግጋእን ሰላምን ቀርኒ ኣፍሪካ ቀንዲ ስግኣት እዩ -ምንቅስቓስ ሓምለዋይ ኣብዮት ኤርትራ - ኢዜአ ትግርኛ
ስርዓት ኤርትራ ንምርግጋእን ሰላምን ቀርኒ ኣፍሪካ ቀንዲ ስግኣት እዩ -ምንቅስቓስ ሓምለዋይ ኣብዮት ኤርትራ
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/19/2018/ኢዜኣ/ ስርዓት ኤርትራ ንምርግጋእን ሰላምን ቀርኒ ኣፍሪካ ቀንዲ ስግኣት እዩ ክብሉ ምንቅስቓስ ሓምለዋይ ኣብዮት ኤርትራ ኣቦ መንበር መሐመድ አሕመድ አስናይ ገሊፆም።
ምንቅስቓስ "ሓምለዋይ አብዮት" ኤርትራ ምስ ናይ ኢትዮጲያ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት መመሓላለፊ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዞባ ጎንፂ ናብ ዞባዊ ምትሕብባርን ውህደት ኢኮኖሚን ንምቐያር ዘኸእል ስትራቴጂካዊ ራዕይ ንክቐረፅ ፃውዒት ኣቐሪቡ።
እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ገዛኢ ስርዓት ብወታደራዊ ሓይሊ ንምምካትን ንዘመነ ስልጣኑ ንምብቃዕ ዘለዎ ትብዓት ዝገለፁ ኣቦ መንበር መሐመድ አሕመድ አስናይ አቲ ስርዓት ንቀርኒ ኣፍሪካ ሰላምን ምርግጋእን እቲ ቀንዲ ስግኣት ምኹኑ ኣገንዚቡ ።
እቲ ስርዓት ኣብ ስልጣን ንክፀንሕን ዕድምኡ ንምንዋሕን ዞባዊ ዘይምርግጋእን ወጥርን ንረብሑኡ ንምውዓል ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ዝኸሰሱ እቶም ኣቦመንበር ናይ እዋኑ ስርዓት ኣስመራ ምርግጋእ ዘይምድላዩ ኣብ እቲ ዞባ ዘለዉ ዓመፅቲ ሐይልታት ዝድግፍ ምኹኑ እቲ ሓደ መርአያ እዩ ኢሎም ።
ከምኡ እውን " ስርዓት ኤርትራ ህልውንኡ ዝተመስረተ ኣብ ቐልውላውን ዘይምርግጋእን እቲ ዞባ እዩ ዝበሉ እቶም ኣቦመንበር ንዕጡቐትን ዓመፅትን ዝገብሮ ደገፍ ኣብ ስልጣን ንምፅናሕ ዝጥቀመሎም ሜላታት እዮም "።
ብመዳይ ፖለቲካ ኣይተ መሐመድ አሕመድ ሰናይ ኢትዮጲያ ንጉዳያት ፍትሒ ብምድጋፍ ዝላዓለ ታራ ሒዛ ሐዚ እውን ንክትዋሳእ ፃውዒት ዘቐረቡ እንትኾኑ ፥ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘላቒ ምርግጋእ ንምዕሳል ንቐልውላው ኤርትራ ንምፍታሕ ቀዳምነት እትህቦ ተግባር ምኹኑ ፀሪሖም ።
ምችው ፖለቲካዊ ኩነታት ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብወደብ፣ ትራንስፖርትን ዘፈራት ንግድን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ምዕባይ ከምዝካኣል ዝገለፁ እቶም ኣቦመንበር ፤መፃኢ ዕድል እቲ ዞባ ብሓበራዊ ምትእስሳር ኢኮኖሚ ዝተመስረተ ክኸውን ከምዝግብኦ ኣፅንዖት ሂቦም።